Monday, April 25, 2016

ብህላወ ዴምህት ኣብ ጭንቂ ዝወደቑ መራሕቲ ህወሓት/ኢህወዴግ፣ ውድብ ዴምህት ዝብሃል ፈሪሱ ስለ ዝተበታተነ ወለዲ ደቂኹም ካብ ዴምህት ሰሓብዎም ብምባል ተጋጫዊ ጎስጓስ የካይድ ምህላዉ ተገሊፁ።



ንህላወኦም ክብሉ ኣብ ወጥሪ ዝኣተው ሰበ ስልጣን ገዛኢ ስርዓት ህወሓት/ኢህወዴግ ብዝለዓሉ ዘለዉ እዋናዉን ተዃሳሕትን ሕቶታት ህዝቢ ዓቕሎም ፀንቂቖም ኣብ ናይ መወዳእታ ኣፍ ሞት ወሪዶም ኣብ ዘለውሉ፣ ንህዝቢ ትግራይ በቢመዓልቱ ብምእካብ ብዛዕባ ተቓላሳይ ውድብ ዴምህት እናልዓሉ ንምፅላም ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለው ኮይኖም፣ ብፍላይ ድማ ውድብ ዴምህት ዝብሃል ፈሪሱ እቲ ዘካይዶ ዝነብረ ቃልሲ ኣብቂዑ እዩ እንትብሉ፣ በቲ ካልእ መልሓሶም ድማ ብዘይ ሕፍረት ወለዲ ደቂኹም ኣብ ዴምህት ዘለዉ ዝገበርኩም ጌርኩም ሰሓብዎም እንተዘይ ኮይኑ ንዓኹም ንፃወረሉ ግዜ ተፀንቂቑ እዩ ሕሰብሉ እናበሉ የፈራርሕዎም ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
በዚ ጉዳይ እውን ካብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ብርክት ዝበሉ ኣቦታት ደገፍቲ ዴምህትን መለዓዓልትን ብዝብል ክሳብ ክልል ተወሲዶም ነቶም ዕጡቛት ምልሻ ዝነበሩ ብረቶም ተመንጢሎም ጥራሕ ኢዶም ዝተሰዱ እንትኾኑ፣ ነቶም ስቪላት ድማ ከቢድ መጠንቀቕታ ተዋህቦም ኣብዚ ቀረባ መዓልቲ ናብ ዓዶም ዝተመልሱ ከም ዘለዉ ተገሊፁ።

No comments:

Post a Comment