ከም ዝፍለጥ ናይ ሓንቲ ሃገር ብፀረ ግዕዝይና ኮሚሽን ዝካየድ ቃልሲ ሽቱኡ ዝወቅዕ፣ ንግዕዝይና
ዘወግድ ብመፅናዕትን ጥቡቕ ክትትልን ዝተገበረሉ ሕጋውን ኣምሃርን ስጉምቲ ክውሰደሉ ከሎ ደኣ 'በር፣ ብግዕዝይና ዝጠልቀዩን ኢዶም
ሓዊሶም ከም ድልየቶም ብዘሕብሩዎ ኣካላት መንግስቲ ንሙሱሉዩነት ወገሐ ፀበሐ ግዕዝይና ካብ ምንጩ ንምድራቕ ንዋጋእ ኢሎም ስለ ዝመደሩ
መፍትሒ ክኸውን ኣይኽእልን።
ምኽንያቱ ግዕዝይና ንምጥፋእ
ቀዳምነት ነቲ ግዕዝይና ንምክልኻል ዝቖመ ኣካል ንፁሁን ተኣማንን ክኸውን ግድን እዩ። ከምኡ እውን ንዝግበር ቃልሲ ፀረ ግዕዝይና
ካብ ምጭራሕ ዝዘለለ እናተኸታተለ ብተግባር ዝተሰነየ ካብ ሱር መሰረቱ ንምምሓው ቆራፅነት እንተሎ፣ እቲ ቃልሲ ፀረ ግዕዝይና ኣብቲ
ጫፍ ዘይኮነስ ኣብ ሱሩ እዩ ከትኩር ዘለዎ። ስለ ዝኾነ ነቲ ጠንቂ ካብ ስሩ ሚሒኻ ንምድርባይ ዝከኣል ድማ ፈተውቲ ሃገሮምን ህዝቦምን
ዝኾኑ ዜጋታት ነቲ ቃልሲ ብዋናነት ከንቀሳቐስዎ ባይታ እንትወሃቦም ጥራሕ እዩ።
ብምዃኑ ድማ ንዝግበር
ቃልሲ ፀረ ግዕዝይና ብተናፀል ዘይኮነስ ተወዲቡ ዝተጠናኸረ ናይ ህዝቢ በሊሕ ተሳትፎ እንትህሉ እዩ።
መራሕቲ ኢህወደግ ንህዝብን
ሃገርን ዝቑርቆሩ መሲሎም ኣብ ናይ ምድንጋር ተግባራት ብምፅማድ ካብ ግብኡነት ወፃኢ፣ ብናይ ጥቕሚ ምትእስሳር ተሓላሊኾም ውሑዳት
ክርቡሑ ኣብዛሓ ብዘይ ንሕስያ ክርጋሕ ብምግባር ክሰረሑ ፀኒሖምን
ኣለውን።
ስለ ዝኾነ ኣብዚ ሕዚ ካብ
ግዕዝይና ዝነፀሃ ትካላት መንግስቲ ዝኾና ኣብያተ ፅሕፈት ደሊኻ ንምርካብ
ኣዚዩ ኣፀጋሚ እዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ ክሳብ ኣብያተ ትምህርቲ ትካላት ጥዕና፤ ናይ ሃይማኖት ቦታታትን ካልኦትን ግዕዝይና
ሱር ሰዲዱ ህዝብና መዓልታዊ ሰንሰን ክብል ይውዕል ኣሎ። ብፍላይ ዝለዓለ ገንዘብ ዝብጀተሎም ናይ’ቲ ስርዓት ዓበይቲ ፕሮጀክትታት፤ትካላትን
ኣብያተ ፅሕፈትን ውሽጢ እቲ ግዕዝይና ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ኮይኑ ይርከብ።
ሰበ ስልጣናት ኢህወደግ ነቲ
ባዕሎም ዝጎምጠጥዎ ወገሐ ፀበሐ ኣብ ሚድያታት ይኹን ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት፣ ብዛዕባ ግዕዝይና ዘብፀሖ ሓደጋ ዝምድሩን ከምኡ
እውን ካብ ናይ’ቲ ዋና ኦዲተር ቤት ፅሕፈት ዝወፅኡ ፀብፃባት፣ ብተደጋጋሚ
ዝፅርሑ ሕግን ስርዓትን ዘይተኸተሉ ዕዳጋታት ብዝግባእ ዝወራረድ ሒሳብ ከም ዘይብሎም እናተብሃለ ዝገልፁ እኳ እንተኾኑ፣ ኣብ ተግባር
ግን ቆራፅ ስጉምቲ ብዘይምህላው ባዶ ካብ ምዃኑ ዝዘለለ ዝረአ ለውጢ የለን። እንተሎ እውን ብናይ ፖለቲካዊ እምነቱን ኣረኣእይኡን
ዝተጠመተ ኣካል ኣብ ታርጌት ኣእቲኻ መጨበጢ ዘይብሎም ብዙሓት ናይ ጠቐነ ክስታት ብምቕራብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ብምእታው ኣብ ግዕዝይና
ረኺብናዮ ይብሃል ይኸውን፣ እቲ ሓቂ ግን ብኣንፃሩ እዩ። ምኽንያቱ ንግዕዝይና ሰብ ዋናታቱ ባዕላቶም ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን መሓውሮምን ሰለ ዝኾኑ።
ግዕዝይና ብሰፊሑ ዝተስፋሕፈሐሎም
ትካላትን ኣብያተ ፅሕፈትን ጠንቂቖም ይፍለጡ፦ ነቲ ግዕዚና ኢዶም ሓዊሶም ብላዕላዋይነት ዘሕብርዎ ይፍለጡ ጥራሕ ዘይኮኑስ፣ ህዝቢ
ሳሕቲ ኣብ ዝረኸበን ቀጥታዊ ተሳትፎን ዕድልን መድረኻት ካብ’ታ ጠንቃ ክሳብ ምዝዛማ ንድሕሪት ከይበለ እናቃለዐ እናሃለወ፣ ግዕዝይና
ስለምንታይ ሱር ሰዲዱ ዝለዓለ ቦታ ክሕዝ ክኢሉ? በቲ ሓደ፣ በቲ ካልእ ድማ ፀረ ግዕዝይና ኮሚሽን ኣብ ውሽጡ ብላዕለዋይነት ዝመርሕዎ
ብግዕዝይና ዝተጨማለቑ ኣካላት እናሃለው ስለምንታይ ኣቐዲምካ ንሶም ክእለዩ ወይ ኣምሃሪ ስጉምቲ ዘይተወሰደሎም? ኩሉ ግዱስ ወገን
ክሓቶም ዝግባእ እዩ።
ምኽንያቱ እቶም ጠንቂ ግዕዝይና
ኮይኖም ብግዕዝይና ጅቡኦም ዘሕበጡ ሓለፍትን መሻርኽቶምን ብሸለልትነት እናተሓለፉ፣ ነቲ ብሰንኮም ክንከላበት ዝውዕል ዘሎ ውፁዕ
ወገን ብዝተለመደ ናይ መደናገሪ ቃላት፣ ብናይ’ቲ ስርዓት ሚድያ ተሸፋፊኑ ክሕለፍን ከምኡ እውን ነቲ ኣብ መላእ ከባብታት ሃገርና
ብግዕዝይና ዕርቃኑ ዘውፅእዎ ኣካላት፣ መሊሶም ናብ ዝነበርዎ ቦታ ክሕዙ ዝርእን ዝሰምዕን ንዘሎ ሕብረተሰብ፣ ግዕዝይና ንዋጋእ ኣለና
ኢልካ ፕሮፖጋንዳ ምንፋሕ ላግፂ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ዝወሃቦ ትርጉም የብሉን። ስለ'ዚ ኣብ ግዕዝይና ጥሒልካ ግዕዝይና ምጥፋእ
ፍፁም ኣይከኣልን!!
No comments:
Post a Comment