Monday, April 25, 2016

ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ንስልጣኑ ኣስጋእቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ኢሉ ንዝጠርጠሮም ኩሉ ዓይነት ምንቅስቓስ ንምቑፅፃርን ንምክትታልን ምእንቲ ክጥዕሞ፣ ናይ ኮምፒተር ገበን መቕፅዒ ሕጊ ዝበሎ ረቂቕ ናብ ፓርላማ ምቕራቡ ተፈሊጡ።



ጉጅለ ኢህወዴግ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ንስልጣነይ ኣስጋእቲ እዮም ዝበሎም ንምቁፅፃር  ብዝጥዕሞ መገዲ ክኸይድ ምፅንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቲ በቲ ስርዓት ዝወፀ ረቂቕ መቕፅዒ ሕጊ ብዘይ ምንም ተቓውሞ ከም ዘለዎ ተቐቢሎም ብጣቕዒት ከፅድቐሉ ናብ ፓርላማ ኣብዚ ሰሙን እዚ ዘቕረቦ ኮይኑ፣ እዙይ ድማ ተቓዉሞን ዓመፅን ብኮምፒተር መልእኽቲ ከመሓላልፉ ይኽእሉ እዮም ንዝበሎም ወገናት ብብዝሒ ንምሓዝን ንምቕፃዕን ዝዓለመ ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።   
ብተወሳኺ'ዉን ብኮንፒተር ደረጃ ገበን እናተበራኸተ መፂኡ ብዝብል ስንኩል ምኽንያት ነቲ ረቒቕ ኣዋጅ ምዉፅኡ ካልእ ዛዕባ ከም ዝኾነ ይግለፅ ዘሎ እንትኸዉን፣ ናይ ኢህወዴግ ኣዋጅ ሕጊ ናይ'ቲ ገዛኢ ስርዓት ብፍላይ ወተሃደራዊ ሓበሬታታት ዝርከቦም ናይ ኮምፒተራት ፋይላት ከይጠፍኡን ከይስረቑን ፍሉይ ትኹረት ክገብር እዩ ዝተብሃለ እንትኸዉን፣ ንኢህወዴግ ካብ ስልጣን ክኣልይዎ ይንቀሳቐሱ እዮም ንዝተብሃሉ ጉጅለታትን ዉልቀ ሰባትን  እውን ትኹረት ጌሩ ንምቁፅፃር ዝዓለመ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ ኣሎ።  በዚ ናይ ኮምፖተር ሕጊ ዝተኸሰሰ ሰብ ድማ ካብ 15 ክሳብ 25 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ከም ዝፅበዮ እቲ ረቒቕ ሕጊ ዕላዊ ኮይኑ ከም ዝወፅእ ይግለፅ ኣሎ።

No comments:

Post a Comment