Friday, April 22, 2016

ካብ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴምህት) ዝተውሃበ ውድባዊ መግለፂ፣



   ኣብ ትሕቲ ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ዝወደቐ ህዝብና ህዝቢ ኢትዮጵያ ንህይወቱ ውሕስነት ዝኾኖ ኣካል ብዘይ ምርካቡ ካብ ውሽጥን ደገን ብዝመፁ ሓይልታት መዓልታዊ ህይወቱ እናተቐዘፈ ለይትን መዓልትን ኣብ ፍርሕን ራዕድን ይነብር ከም ዘሎ ዝስሕቶ ወገን የለን። ሓደ ኣብ ስልጣን ዝርከብ መንግስቲ ነቲ ይመርሖ ኣለኹ ዝብሎ ህዝቢ ብሰላም ወፊሩ ብሰላም ክኣቱ ውሕስነት ክህቦ ግዴትኡ እኳ እንተኾነ፣ ይኹን እምበር እቲ ተቐባልነትን እምነትን ህዝቢ ዝሓረሞ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ህልውና ዜጋታት ከውሕስ ተበግሶ ይኹን ሃገራዊ ስምዒት ስለ ዘይብሉ ኢዶም ብዘንውሑ ሓይልታት እንትቕተልን እንትጭወን ንዕዘብ ኣለና።

  ዝኸበርካ ህዝቢ ኢትዮጵያ፦ ኣብዞም ዝሓለፉ ናይ ቀረባ ዓመታት’ኳ እንተርኢና ዜጋታትና ኣብ ዝኸድዎ ክጭፍጨፉን ከም ኣራዊት ክቕጥቀጡን ምርኣይ ልሙዳት ተርእዮታት ኮይኖም ሓሊፎም እዮም፣ ከም ኣብነት ንሩሑቕ እንከይከድና ኣብ 2007 ዓ/ም ኣብ ሊብያ ኣብ ልዕሊ 30 ኢትዮጵያውያን ዜጋታትና ከም ደዓኛ መስቀል እንትሕረዱ ዝረአየ ወገን ደም ኣንቢዑዎ ጥራሕ ዘይኮነስ ንዓለም ሙሉእ ኣሕዚኑ ከም ዝሓለፈ ናይ ትማሊ ተዘክሮ እዩ፣ ከምኡ እውን ኣብ ተመሳሳሊ ዓ/ም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ዜጋታትና ኣብ ናይ ስራሕ ቦቶኦም ባርዕ ሓዊ ተኣጒዱዎም ተሳቕዮም ህይወቶም ክሓልፉ ክኢሎም እዮም።

   ኣብ የመን እንተኾነ 'ውን ኣብ 2007 ዓ/ም ኣብታ ሃገር ብዘጋጠመ ውሽጣዊ ዕግርግር ዜጋታትና ህዝበይ ኢሉ ተጓዩ ዘውፀኦም መንግስቲ ስኢኖም ኣዝዮም ብዙሓት ደቂ ኣነስትዮን ህፃናትን ዝርከቡዎም ኣብ ዘይምልከቶም ሓዊ ተለብሊቦም ሃሊቖም እዮም፣ ድሕሪ እቲ ኩነታት ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑፀሩ የመናውያን ዓዶም ገዲፎም ናብ ኢትዮጵያ እንትኣትዉ ብኣንፃሩ ኢትዮጵያውያን ድማ ናብ ስርዓት ኢህወዴግ ካብ ንኣቱ ኣብዚ ምሟት ይሐሸና ብምባል ክተርፉ ተራእዮም። እዚ ድማ ሃገርና ኢትዮጵያ ንወፃእተኛታት ገነት እንትትኸውን ንዜጋታታ ድማ ገሃነብ ምዃና ቁልጭ ኣቢሉ ዘርእየና ሓቂ እዩ፣

  እቶም ኣብ ዘይዓድና ካብ ንመውት ኣብ ዓድና ምሟት ይሐሸና ብምባል ናብ ዓዶም ክምለሱ ዝደለዩ እንተኾነ 'ውን ተገዲሱ ናብ ዓዶም ዝመልሶም ኣካል ብምስኣኖም ምኽንያት ክምለሱ ኣይከኣሉን፣ እቲ ምድንጋር ዝኣመሉ ገዛኢ ስርዓት ብወገኑ ካብቶም ኣብ የመን ዝቕመጡ ዝነበሩ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑፀሩ ዜጋታት ካብ ኣርበዓ ዘይበዝሑ ጥራሕ መሊሱ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ጥራሕ ክጥቀመሎም ተሰሚዑ እዩ፣ እቶም ኣብ ሊብያን የመንን ደቡብ ኣፍሪካን ዝተቐዘፉን ዝተሳቐዩን ኢትዩጵያውን ኣብ ሓደ ዓመተ ምህረት ዝተፈፀሙ ከም ኣብነት ንምርኣይ ዝኣክል ድኣ 'ምበር ኣብ ሱዑዲ ዓረብን ካልኦትን ብኣማኢት ዝቑፀሩ ኢትዩጵያውያን ንዓመታት ደም ተሓሊቦም ዘጥረይዎ ንብረቶም ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ክዓኑን ብሕሱም መግረፍቲ ዘሕለፉዎ ናይ ስቓይ ግዜ ዝርሳዕ ኣይኮነን።  

   ዝኸበርካ ህዝቢ ኢትዮጵያ፦ ኣብዚ ሰሙን እዚ ድማ ኣብ ክልል ጋምቤላ ዝነብር ህዝብና ብደቡብ ሱዳናውያን ብዝወረዶ መጥቃዕቲ፣ ልዕሊ 200 ወገናት ተቐቲሎም፤ ኣስታት 70 ቆሲሎም፤ ልዕሊ 100 ተጨውዮም፤ ብርክት ዝበለ ገዛውቲ ተቓፂሉን ብኣሻሓት ዝቑፀራ ጥሪቶም ተወሪረን እንትውሰዳ ኣለኹልኩም ኢሉ ዘድሕኖም መንግስታዊ ሓይሊ ኣይተረኸበን።

    ጠቕላይ ሚኒስተር ናይቲ ገዛኢ ስርዓት ግን ኣብ ፅባሕ እቲ ዘስካሕክሕ ፍፃመ ኣብ መስኮት ቴሌቪዥን ተቐልቂሉ፣ ንብዓት ሓርገፅ ክነብዕ ተዓዚብናዮ። ቡዃርያስያ ፃዲቕ ክትመስል ዝዋዊዕ ትኣስር እዩ ነገሩ፣ እቲ ዘመናዊ ሰራዊት ሃኒፅና ካብ ሃገሩ ሓሊፉ ናብ ካልኦት ሃገራት ብሽም መኽበሪ ሰላም ቀዳሞት ኮይና ዝብልዎ፣ ብተግባር ግን ነቲ ብደቡብ ሱዳናውያን ዶብ ሃገርና ጥሒሶም ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ዜጋታትና ወሪዱ ዘሎ ጨፍጫፍ ክከላኸሎ ዝኽእል ሓይሊ ኣብ ባይታ ኣይተረኸበን።

   ህዝብና ህዝቢ ጋምቤላ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ብደቡብ ሱዳናዉያን መጥቃዕቲ ክወርዶ ከም ዝፀንሐ ሃለማርያም ደሳለኝ ብልሳኑ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተዛሪቡ'ዩ፣ ንምንታይ እዚ ሽግር ከም ዘሎ እናፈለጡ ዘይተፈተሐ? ከምኡ’ውን ነቲ ህዝቢ ዘውሕስ ሓይሊ ሰራዊት ኣብቲ ከባቢ ስለ ምንታይ ዘየቐመጡሉ ፀኒሖም ክምለስ ዘለዎ ዓንኳር ሕቶ እዩ።

   ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ብደቡብ ሱዳን ጥራሕ ዘይኮነስ ብናይ ሱዳን ሰራዊት'ውን ህዝብና እናተቐተለን ሃፍተ ገነቱ እናተቓፀለን ዓመታት ኣቑፂሩ እናሃለወ ንመዋገይ ዕድመ ስልጣኑ ክብል ክዛረብ ዘይምምራፁ መርኣያ ኽሕደቱ  ካብ ምዃን ሓሊፉ ካሊእ ትርጉም ኣይወሃቦን።

    ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ግን እዚ ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ውሽጣዊ ቅርሕንቲ ከም ዘየሎ ንምምሳል ፓፕሊክ ዲፕሎማሲ ብዝብል በቶም ትርጉም ዘይብሎም ላዕለዎት ካድረታት ናይቲ ስርዓት ዝምራሕ ልኡኽ እናሰደደ ዲፕሎማሲና ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በፂሑ፤ ካብ ናይ መንግስታት ርክብ ዝሓለፈ ናይ ህዝባዊ ርክባት ተጠናኺሩ ይርከብ እናበለ ወግሐ ፀብሐ እናለፍለፈ ይስማዕ እዩ፣ ዲፕሎማሲ ኣብ ዘለዋ ሃገር ግን ዜጋታት ኣብ ዝኸድዎ ክሕረዱ፤ ምኽንያታዊ ብዘይኮነ ነገር ኣብ ሃገሮም እናሃለዉ ኣረሜናዊ ጨፍጫፍ ክውሰዶም ኣይኽእልን፣
    ንምጥቕላል ውድብ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴምህት) እዚ መግለፂ እንትህብ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ወገናት ህዝቢ ጋምቤላ ተፈፂሙ ዘሎ ኣረሜናዊ ጨፍጫፍ ዝተሰመዖ ዓፙቕ ሓዘን ይገልፅ። ነዚ እከይ ተግባር ዝፈፀሙ ሓይልታት ከዓ ኣጥቢቑ ይኹንን። እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ተፈፂሙ ዘሎ ጨፍጫፍ ድማ ተሓታቲኡ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ከም ዝኾነ ደጊሙ የረጋግፅ።
ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴምህት) ሚያዝያ 2008 ዓ.ም.

No comments:

Post a Comment