Monday, April 25, 2016

ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ድርቂ ዘስዓቦ ጥምየት ቁፅሪ ሓገዝ ዘድልዮም ዜጋታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ይኸይድ ብምህላው፣ ኣብ ዜጋታት ህልቂት ከየስዕብ ዓለም ለኸ ቢሮ ሰብኣዊ ድሕነት ዘለዎ ስግኣት ገሊፁ።



እቲ ቢሮ ከም ዝገልፆ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ በዝሒ ርዳእታ ዝፅበዩ ዜጋታት 20 ሚልዮን በፂሖም ከም ዘለው  ዝገለፀ እንትኾን፣ ብፍላይ ድማ ብድርቅን ጥምየትን ዝተጠቕዑ ከባብታት ካብ 186 ናብ 219 ክብ ከም ዝበለ ድሕሪ ምግላፅ፣ ተፀበይቲ ሓገዝ ዝኾኑ ዜጋታት ድማ ኣብ ግዚኡ እኹል ሓጋዝ ክረኽቡ ዘይምኽኣሎም ንዝኸፈአ ኩነታት ጥሜት ብምስጦሖም ምኽንያት፣ ኣብ ገለ ገለ ከባብታት መረበቶም ሓዲጎም ናብ ስደት ምውሓዝ ከም ዝጀመሩን በዚ መልክዕ እንተቐፂሉ ድማ እቲ ሓደጋ ናብ ህልቂት ከምርሕ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።
ብተወሳኺ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ናይ ውድብ ጥዕና ዓለም ብምዃን ብድርቅን ጥምየትን ጥዕኖኦም ዝተጎድኡ ኢትዮጵያውያን ክውዕል ተባሂሉ ብሚልዮናት ዶላር ዝግመት ብወደብ ጅቡቲ ክኣቱ ንዝመፅእ ሓገዝ፣ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝተመዓራረየን ስሉጥ ግልጋሎት መጓዓዓዝያ ብዘይምህላው፣ ኣብ'ቲ ወደብ ተኻዚኑ ግዜታት እናቑፀረ እቲ ህፁፅ ሓገዝ ዝፅበ ዘሎ ወገን ድማ ንዝኸፈአ ሓደጋ ይሳጣሕ ከም ዘሎን ድሕሪ ምጥቃስ፣ እቲ ዝተጎደአ  ህዝቢ ኣብ ዝሓፀረ እዋን እንተዘይ ተሓጊዙ ድማ ንከቢድ ናይ ህይወት ህልቂት ከይቃላዕ ዘተሓሳስብ ጉዳይ ኮይኑ ከም ዘሎ ዝተፈላለዩ ፀብፃባት ኣብ ምቅላዕ ይርከቡ።

No comments:

Post a Comment