Wednesday, May 11, 2016

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ወረዳ ጉባ ጣብያ ኦሜድላ ኣብ ዝርከብ ናይ ሕርሻ ልምዓት፣ ተዋፊሮም ይሰርሑ ዝነበሩ 22 ሰራሕተኛታት ብወታሃደራት ሱዳን ተጨዉዮም ከም ዝተወሰዱ ተገሊፁ።



 ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፣ ቅድሚ ሕዚ አልኑር በሽር እናተብሃለ ይፅዋዕ ዝነበረ ሕዚ ድማ “ይርሳዉ ናይ ሕርሻ ልምዓት” ዝብል ስያመ ዝተዉሃቦ ኣብ'ቲ ናይ ሕርሻ ልምዓት ይሰርሑ ዝነበሩ 22 ሰራሕተኛታት ብ22 ሚያዝያ 2008 ዓ/ም ኣብ ክልተ ተሽከርከርቲ ተፃዒኖም ብወታሃደራት ሱዳን ከም ዝተወሰዱ ድሕሪ ምግላፅ፣ ኣብዚ ሕዚ ስዓት እቶም ሰራሕተኛታት ዲቫዚን ኣብ ዝተብሃለት ናይ ሱዳን ከተማ ኣሲሮሞም ከም ዝርከቡን ብተመሳሳሊ ቅድሚ ሕዚ ካልኦት 18 ዝተወስዱ ሰራሕተኛታት ክሳብ ሕዚ ኣበይ ከም ዘለዉ ከም ዘይፍለጥ ናይቲ ሕርሻ ልምዓት ብዓል ቤት ዝኾኑ ይርሳው የሺወንድም ምዝራቡ ተፈሊጡ።
ናይቲ ሕርሻ ልምዓት ናይ ትሕዝቶ ካርታ ዘለዎን ሰሊጥን ጡጥን ዝፈርየሉ ቦታ ኮይኑ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወታሃደራት ሱዳን ናብ'ቲ ናይ ሕርሻ ቦታ ብምእታዉ፣ ናይ መዋሰኒ ምልክት ከም ዝተኸሉን ኣብኡ ንዝነበሩ ሰራሕተኛታት ድማ ንፍርቂ ምዓልቲ ኣሲሮም ከም ዝሰደድዎም ብምግላፅ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ነቲ ዝተፈጥረ ኩነታት ናይቲ ቦታ ናይ ፀፅታ ሰበስልጣንን ዝምልከቶ ናይ ፌደራል ሰበስልጣንን ንዝቐረበሎም ጥርዓን መልሲ ከም ዘይሃብሉ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።      

No comments:

Post a Comment