በዳዳ ጋልቻ ናይ ዞባ ጉጂ ወረዳ አዶ ሻኪሶ
ጣብያ መጋደር ነባሪ ኮይኑ ብምህንድስና ትምህርቲ ካብ ዩኒቨርስቲ ተመሪቑ ስራሕ ስለ ዝሰኣነ ድማ ስራሕ ፈጢሩ ንምስራሕ ዘቕረቦ
ሕቶ ናይቲ ከባቢ ምምዳር ዉዕሉ ብዘይተገለፀ ምኽያት፣ ዉድቂ ስለ ዝገበሮ ናይ ስራሕ ትልሙ ንጎኒ ገዲፉ ሙሉእ ብምሉእ ናብ ናይ
ሕርሻ ስራሕቲ ዝተዋፈረ እንትኸዉን፣ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልቲ ድማ ኣብ ሕርሽኡ ዉዒሉ ንገዝኡ እናተመለሰ ኣግኣዚ ብዝብል ዝፍለጡ
ዕጡቓት ሓይሊ ናይቲ ገዛኢ ስርዓት ኣድራጋ ጠያይቲ ተኲሶም ብምዉቃዕ ናብ ኣዶላ ሄዬ ሆስፒታል ዋላ'ኳ ተወሲዱ እንተነበረ፣ ናይ
ምሸት ከባቢ ስዓት ክልተን ፈረቓን ህይወቱ ከም ዝሓለፈ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዝገለፆ፣ ተኹሲ ሰሚዖም
ዝተኣከቡ ናይቲ ከባቢ ሕብረተሰብ፣ እቶም ዕጡቛት ብርክት ዝበለ ጠያይቲ ብምትኳስ፣ ክብተን ከም ዝገበሩ ብምግላፅ፣ በዳዳ ቅድሚ
ወርሒ ናይ ሽኽ መሓመድ ሑሴን ኣላሙዲን ናይ ኣኮቴ ናይ ወርቂ ፕሮጀክትን ናይ ማስተር ፕላንን ብምቅዋም ይካየድ ኣብ ዝነበረ ናይ
ተቓዉሞ ሰልፊ ኣተሓባቢሩ እዩ ብዝብል፣ ተጠርጢሩ በቲ ስርዓት ክድለ ከም ዝፀንሐ፣ ዳንኤል ቦሩን ጋሪ ሶኒ ዝተብሃሉ ናይ ዓይኒ
መሰኻኽር ገሊፆም።
No comments:
Post a Comment