ኣብ ልዕሊ ናይ ፖለቲካ ኣመራርሓ ስጉምቲ ዝዉሰድ ብነቐፌታን ዓርሰ
ነቐፌታን ስርዓት ጥራሕ ብምዃኑን እዚ ናይ መመዘኒ ስርዓት ንባዕሉ ሽግር ዘለዎ ስለ ዝኾነ፣ ኣብ ላዕለዎት ናይ ፖለቲካ
ኣመራርሓ ዘሎ ወገንተኝነትን ክራይ ኣካብነትን እንተዘይተፈቲሑ፣ ሰናይ ምምሕዳር ምስፋን ከም ዘይክኣል ብምግላፅ፣ ቤስት ስኮር
ካርድ(ቢኤስሲ) ዝብሃል መመዘኒ፣ ናይ ሰራሕተኛታት ናይ ስልጣን ኣግባብ ክምዘን ዋላኳ
እንተኽኣለ፣ ኣብ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኢህወዴግ እንትበፅሕ ግን እቲ መመዘኒ ክሰርሕ ብዘይ ምኽኣሉ፣ ናይ ፖለቲካ መራሕቲ ብሕጊ
ዝሕተትሉ መመዘኒ ስርዓት ከም ዘየለ ተገሊፁ።
ክሳብ ሕዚ ሰራሕተኛታት ብዘገምታ ብሸለልትነት ንመራሕቲ ብዘለዎም
ተኣማንነት ስለ ዝምዘኑ፣ ናይ ዉፅኢት ኣዋህባ ሸለልትነት ሰፊኑ ብምህላዉ፣ ገለ ገለ መለክዒ ብቐረባ ብኔት ዎርክ ብዝምድና ወይ
ብዕርክነት ከምኡ 'ዉን ንመራሕቲ ናይቲ ገዛኢ ፖርቲ ብዘለዎም ተኣማንነት ብምዃኑ እዚ ሽግር እዚ ኣብ ኩሎም ትካላት ዉሽጢ
ይዉሓድ ይብዛሕ ተስፋሕፊሑ ከም ዝርከብ ተፈሊጡ።
No comments:
Post a Comment