ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ፣ኣብ ኢትዩጵያ እቲ ሉሙድ ወቕቲ ናይ እዋን ማሕረስን ዝናብን ንክኣትው
6 ሰሙናት ኣብ ዝተረፈሉ እዋን ሓረስቶት ግራውቶም ንኽሓርሱ እቲ ብድርቂ ዝተጠቐዐ ከባብታት እታ ሃገር ናብ ዝገደደ ጥምየት
ከይቃላዕ ንምሕጋዝ ብህፁፅ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ክወሃብ ውድብ መግብን ሕርሻን ዓለም ተማሕፂኑ።
ይኹን'በር ብውገን መንግስቲ ነቶም ኣብዚ ዓመት ብድርቂ ዝተጠቑዑ ከባብታት ናይ ሃገርና ዝነብር ህዝቢ ዝኾነ ዓይነት
ሓገዝ ዝህበሉ ቅድመ ምድላዋትን ቀረብን ስለ ዘየለ እቲ ጥራሕ ኢዱ ንህፁፅ ሓገዝ ዝተቓለዐ ወገን ነታ ዝርካባ ቁራስ መሬቱ
ዝናብ ኣብ ዝዘንበሉ እዋን ካበይን ብምንታይ ተጠቒሙ ክሽፍና ከም ዝኽእል ንቡዙሓት ወገናት እቲ ሓደጋ መሊሱ ከይድገም ስግኣት
ፈጢሩ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
No comments:
Post a Comment