Wednesday, May 11, 2016

ኣብ ክልል ኦሮምያ ሓደ ተምሃራይ ካብ ፖሊስ ዝወረዶ መውቓዕቲ ከም ዝሞተ ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።



ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ከተማ ነጆ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ምዓልቲ ብመውቓዕቲ ፖሊስ ሓደ ተማሃራይ ሞይቱ ክብሉ ነበርቲ'ታ ከተማ ንሚድያታት ቃሎም ከም ዝሃቡ ተፈሊጡ። ምምሕዳር ከተማ ነጆ ግን እቲ ተማሃራይ ብሕማም እዩ ሞይቱ ክብሉ ንዝሃብዎ መልሲ ድማ ንቡዙሓት ወገናት ከም ዘቐጥዐ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ነባሪ ከተማ ነጆ ዝኾኑ ኣቶ መሓመድ ሂካ ንሚድያት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፣  ቅድሚ ክልተ ሰሙናት ፈደራል ፖሊስን ወታሃደራት ኣግኣዝን ኣብታ ከተማ ናብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ መሰናድኦ ኣትዮም ነቶም ተማሃሮ ኣኪቦም ገፆም ናብ ፅሓይ ጌሮም ኣብ መሬት ክድቅሱ ከም ዝኣዘዝዎም ይገልፁ።
'ትማምሃሩ ዲኹም ኣይትማሃሩን' ኢሎም ከም ዝሃረምዎምን ብሰንኪ'ዚ ድማ ተማሃሮ ንክልተ ሰሙን ዝኣክል ትምህርቲ ከም ዘይኸዱን ሸውዓተ ተማሃሮ  ምእሳሮም ድማ ወሲኾም ሓቢሮም።

No comments:

Post a Comment