Thursday, June 30, 2016

ኣብ ኢትዩጵያ 108 ናይ ውሽጢ ሃገር 14 ድማ ናይ ወፃኢ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ፍቓዶም ከም ዝተኣገዱ ተፈሊጡ።



እቲ ሓበሬታ ከም ዘመላኸቶ፣ኣብ ኢትዩጵያ 108 ዝኾኑ ናይ ውሽጥን 14 ዝኾኑ ድማ ናይ ወፃኢ ትካላት ገባርቲ ሰናይ  ፍቓዶም ከም ዝተሓደጉን ካልኦት 167 ትካላት ድማ ብናይ ፅሑፍ መጠንቀቕታ ብ21 ሰነ 2008 ዓ/ም ኣብ ዝተፀወዐ ኣኼባ ከም ዝተኣዘዙ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣካየዲ ስራሕ ኮሚኒኬሽን ትካል ገበርቲ ሰናይ ዝኾኑ ኣይተ ኣሰፋ ተስፋይ ከም ዝብሉዎ መብዛሕቲአን እተን ዝተዓፀዋ ትካላት ብሰንኪ ሕፅረት ባጀት ከም ዝኾነ እንትገልፁ፣ ኣብ ትካላት ገበርቲ ስናይ ንነዊሕ እዋን ምኽሪ ብምሃብ ዝሰርሑ በዓል ሞያ ሕጊ ኣይተ ደበበ ሃይለ ሚኪኤል ብወገኖም ካብ ዝሃቡዎ ሓሳብ ድማ እቶም ትካላት ክዕፀውን ክደኽሙን ምኽንያት ዝኾነ ንትካላት ገበርቲ ሰናይ ተባሂሉ ዝወፀ ሕጊ ነቲ ሕጊ ዘፈፅሙ ሰራሕተኛታትን እቲ ኤጀንስን ብምጥሓሶም እዩ ብዝብል ነናይ ባዕሎም ዝተፈላለየ ምኽንያታት ከም ዝሃቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣብ መወዳእታ እዚ ኣብ ልዕሊ ናይ ውሽጥን ናይ ወፃእን ትካላት ገበርቲ ሰናይ ፍቓዶም ክሕደጉ ዝተገበረሉ ምኽንያታት ብሕፅረት ባጃት ወይ ካብ መምርሒ ወፃኢ ስለ ዝኸዱ ዘይኮነስ እቲ ኣብታ ሃገር ዘጋጥም ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ናይ ዜጋታትን መዓልታዊ ግጭትን ኣብ ዝንቀሳቐስሉ እዋን ነቲ ዝረአ ሓቂ ንሳልሳይ ወገን ሓበሬታ ኣሕሊፎም ንኸይህቡ ኮነ ተባሂሉ ዝተወሰደ ስጉምቲ ከም ዝኾነ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ።




No comments:

Post a Comment