Thursday, June 30, 2016

ብምኽንያት ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዝፀንሐን ዘሎን ሓያል ድርቂ መንግስቲ ንሕርሻ ግቡእ ምድላው ብዘይምግባሩ ሕፅረት ዘርኢ ኣጋጢሙ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።



እቲ ዝተረኸበ ሓበረታ ከም ዘርዶኦ፣ ብምክንያት ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዝፀንሐን ዘሎን ድርቂ፣ መንግስቲ ክረምቲ ኣትዩ ኣብ ዘለሉ እዋን ንሕርሻ ግቡእ ጠመተ ብዘይ ምግባሩ ሕፅረት ዘርኢ ኣጋጢሙ ከም ዘሎን፣እቲ ናይ ድርቂ ሓደጋ ድማ ክናዋሕ ከም ዝኽእልን ናይ ኣፍሪካ ግብርና ትኹረት ዝገበረ  ናይ ኣፍሪካ ሓምላይ ምንቅስቓስ ዝተብሃለ ትካል ኣጠንቂቑ።

ሰበ ስልጣን ስርዓት ኢህወደግ ኣዝርእቲ ብምቕራብ ምድላዋት ንገብር ኣለና እኳ እንተበሉ፣ መንግስቲ እቲ ሓደጋ ድርቂ ልዕሊ ዓቕሙ ብምዃኑ ንሕርሻ ዝኾን ዘርኢ ተፀጊሙ ኣሎ ክብል ናይ ኣፍሪካ ሓምላይ ምንቅስቓስ ጥምረት ወሲኹ ኣረዲኡ።
 


No comments:

Post a Comment