Thursday, June 30, 2016

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሞያ ጋዜጠኝነት ተዋፊሮም ዝርከቡ ወገናት ኣብ ክልል ትግራይ ዝዓበየ ዕንቅፋት ከም ዘጋጥሞም ተገሊፁ።



እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ፣ ብሞያ ጋዜጠኝነት ተመሪቖም ኣብ ዝተፈላለየ ሚድያታት ተቖፂሮም ዘገልግሉ ጋዜጠኛታት ካብ ኩለን ክልላት ሃገርና ብፍላይ ኣብ ትግራይ እቲ ዝዓበየ ዕንቅፋት ከም ዘጋጥሞም ኣብቲ ሞያ ተዋፊሮም ዝርከቡ ወገናት ኣረዲኦም።

እቶም ወገናት ከም ዘረድእዎ ከም ሰራሕተኛታት ሚድያ መጠን ናብ ትግራይ ኣብ እንንቀሳቐሰሉ እዋን፣ ናይ ሰናይ ምምሕዳር ፀገም ኣሎ ኢልና እንተገሊፅና ብካድረታት እቲ ስርዓት ምፍርራሕ ይበፅሓና ኣብ ስራሕና ድማ ዕንቅፋት ይበዝሓና ኣሎ ኢሎም እንትገልፁ፣ ብተወሳኺ ስራሕ ጋዜጠኝነት ንምስራሕ ኣብ ክልል ትግራይ ኣዝዩ ከቢድ ከም ዝኾነ ኣብ ዝተፈላለየ ሚድያታት ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት የረድኡ።



No comments:

Post a Comment