Thursday, June 30, 2016

ኢትዮ-ቴሌኮም ብምኽንያት ምጭብርባር ካብ ሓደ ቢልዮን ብር ንላዕሊ ክሳራ ከም ዘጋጠሞ ተፈሊጡ።



ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ ዝኾነ ኢትዮ ቴሌኮም ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ብር ብምጭብርባር ምኽንያት ክሳራ ከም ዝበፅሖ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ ወሲኹ ድማ ኣብ ውሽጢ ኢትዩጵያ ዜጋታት ካልእ ኣማራፂ ዝረኽቡሉ መንገዲ ስለ ዘየለ ተገዲዶም በቲ ስርዓት ዝውነን ኢትዮ-ቴሌኮም ዓማዊል ብምዃን መብዛሕቲኦም ኣገልግሎታት ስልኪ፣ኢንተርኔት ፣ፋክስ ማዓልታዊ እናተቖራረፀን ንህዝቢ ስሉጥ ግልጋሎት ዘይህብ ትካል ከም ዝኾነ ብምግላፅ፣ በዚ ምኽንያት ድማ ህዝቢ ስሉጥ ግልጋሎት ከይረኸበ ገንዘቡ እናተመዝመዘ ንክመሓየሸሉ ጥርዓኑ ብተደጋጋሚ ዘቕረብ እኳ እንተኾነ ክሳብ ሎሚ ግን ፍታሕ ክረብ ከም ዘይክኣለን ኢትዮጵያ ብናይ ቴሌኮም ቴክኖሎጂ ካብ ዓለም ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ሃገራት ኣፍሪካ 'ውን ድሕሪት ከም ትስራዕ ወሲኹ ኣፍሊጡ።
እቲ ስርዓት ነዚ ናይ ኣገልግሎት ቴሌኮም ክፈትሖ ዘይኻኣለሉ ምኽንያት ድማ ብናይ ስልክን ኢንተርኔትን ዝግበሩ ናይ ሓበሬታ ምልውዋጥ ንምቁፅፃር ብጥንቃቐ ሉዑል ወፃኢታ ብምግባር ናይ ስላያ መሓዉር ብምውፋርን  ዝመሓላለፉ መልእኽታት እናጠለፈ ዜጋታት ብቑሉዕ ይኹን ብስውር እናጨወየ ናብ ኣብያተ ማእሰርትን ሞትን ዝሰርሐሉ ትካል ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብ መወዳእታ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ እናተሻረኹ ኣብ ተግባራት ምጭብርባር ተዋፊሮም ገንዘብ ህዝቢ እናባኸኑ ንነዊሕ ግዜ ዘቑፀሩ ኣካላት ቀንዲ መሻርክቲ ናይቲ ስርዓት ከም ዝኾኑ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ እዚኦም ብሰፊሑ ዝርአየሎም ከባብታት ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፣ጅግጅጋ፣ሃረር፣ድሬዳዋ ብቐዳምነት ዝጥቀሱ እንትኾኑ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ብር ድማ ክሳራ ከም ዘብፅሑ ተገሊፁ።

 

 

 

 




No comments:

Post a Comment