Thursday, June 30, 2016

ብሙሱሉይ መዓልቲ ሲቪል ሰርቫንት ዝመፅእ ለዉጢ የለን!!



     እቲ ብዘይ ውክልና ህዝቢ ኣብ ስልጣን ዝሳለ ዘሎ ህወሓት ኢህወደግን መሓውሩን ፣ካብ ቅንዕናን ህዝባዊ ኣገልግሎትን ወፂኡ ኣብ ውልቀ ዋኒኑ ጥሒሉ ምዕንዳር ካብ ዝጅምር ርብዒ ዘመን ኣቑፂሩ 'ሎ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ህዝብና እታ ብቓልሱን መስዋእቲ ሙሩፃት ደቁን ከፊሉ ክረኽቦ ዝምነዮ ዝነበረ ሰላም፣ ፍትሒ፣ ዴሞክራስን ሰናይ ምምሕዳርን ብጠላማት መራሕቲ ህወሓት ኢህወዴግ  ተኻሒዱ ባህጉን ተስፋታቱን በኒኖም ተሪፎም እዮም።
     እዚ ከም ዘሎዎ ኮይኑ፣ መራሕቲ ህወሓት ኢህወደግ ካብ ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ዝጎሓልዎ ገንዘብ ተጠቒሞም ሪኦሞ ዘይፈልጡ ንብረትን ሃፍተ ገነትን እንትውንኑ፣ ብኣንፃሩ እቲ ጠዋሪ ዝሰኣነ ስድራ ስውእን ከምኡ እውን ነቲ ካብ ኢዱ ናብ ኣፉ ዝነብር ዘሎ ኣብዛሓ ድኻ ህዝብና በቶም በቢ ብርኩ ዘለው ካድረታትን ኣመሓደርትን ግቡእ ፍትሕን ስሉጥ ግልጋሎትን ስኢኑ እናተመዝመዘ ናብ ክወፆ ዘይኽእል ዓዘቕቲ ድኽነት ኣሳጢሖሞ ይርከቡ።
     ሓንካስያ ዝመራሒተንስ ኩለን ደፍላፃት ከም ዝብሃል ኣብ ስልጣን ዝርከቡ መራሕቲ ህወሓት ኢህወደግ ብሚልዮናት ዝቑፀር ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ብዘይ ተሓታትነት እናጓሕጉሑ ሰማይጠቀስ ህንፃታት ብስውርን ብቕሉዕን ከስርሑን ክርቡሑን ከለው፣ ነዚኦም ተኸታቲሉ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ክሕተቱን ዘየዳግም ስጉምቲ ዝወስድ ኣካል ብዘይምህላው ካብ ሕጋዊ መንገዲ ወፂኦም ብናይ ባዕሎም መንገዲ ጥፍኣት ካብ ዝዕንድሩ 25 ዓመታት ኣቑፂሮም ኣሎው።
     በዚ መሰረት ድማ ኣሰር እቶም ላዕለዎት መራሕቲ እናተኸተሉ ህዝቢ ኣገልግሎት ንኽረክብ ናብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ፅሕፈት ኣብ ዝኸደሉ ግዜ ብላዕ እናሓተቱ ፣ብመዓልቲ ቆፀሮታት ክመላለስን ኣብ ተግባራት ግዕዝይና ተዋፊሮም ሰንሰን  ዘብሉዎ ዘሎው ኣካላት መቑፀሪ የብሎምን።
     እዝን ካልእን ተግባሮም ሱር ሰዲዱ ኣብ ዘለሉ እዩ እምበኣር መራሕቲ ህወሓት  በቢ ዓመቱ 16 ሰነ መዓልቲ ሲቪል ሰርቫንት ብዝብል ኣሽካዕላል ነቲ ብሰንኮም ብዝተፈላለየ ሽግራት ተቓሊዑ ዘሎ ህዝቢ ኣብ ባይታ ንዘይትግበር ቃላት ዓመት መፀ ክሙሑሉን ከላግፁን ዝረአዩ ዘሎው።
      ህወሓት ኢሀወደግ ኣብዚ እዋን እዚ ካብቲ ኣብ መላእ ሃገር ተላዒሉ ዘሎ ወፅዓ ዘንቀሎ ተቓውሞምን ሕቶ ህዝብን ንምምላጥ፣ መቛረፂ ዘይብሎም ኣኼባን ኮንፈረንስን ብምክያድ ካብ ፖሎቲካዊ ሃልክን ሸቐጥን ዘይሓልፍ ንዛዘ የስምዕ ከም ዘሎ ዝፍለጥ እዩ።
     ብምዃኑ ድማ ህወሓት ኣብዚ ቅንያት ከምቲ ልማዱ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ተወሊዑ ዘሎ ሓያል ተቃውሞ ህዝቢ ኣንፈቱ ንምጥምዛዝ ብስም መዓልቲ ሲቪል ሰርቫንት ዘጠመቖ ኮንፈረንስ ኣብዚ ሰሙን ኣካይዱ 'ሎ።
     ፀገም ህዝቢ ክፍታሕ ዝኽእል ግን ኣኼባታት ብምድግጋም ዘይኮነስ፣ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ ዘለው ኣካላት ኣመራርሓን ሰራሕተኛታት ስቪል ሰርቫንትን ካብ ጉቦን ግዕዝይናን ተቖጢቦም ንህዝብና ብቕንዕናን ስሉጥ ምላሽን ብማዕረ ከገልግሉዎ ከለዉ ጥራሕ እዩ።
     ስለዚ ብህወሓት ኢህወድግ ዝኽበር ዘሎ ሙሱሉይ መዓልቲ ሲቪል ሰርቫንት ንረብሓን መናውሕን ዕድመ ስልጣኖምን ካብ ምዃን ሓሊፉ ዝመፅእ ለዉጢ የለን።

No comments:

Post a Comment