Wednesday, July 6, 2016

ህዝቢ ከተማ መቐለ ብሕፅረት ፅሩይ ዝስተ ማይ ተሸጊሩ ከም ዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ።



ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ፣ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ ዝኾነት ከተማ መቐለ ንዓመታት ዝዘለቐ ፀገም ፁሩይ ዝስተ ማይ፣ ነባሪ ህዝቢ ኣብ ማሕበራዊ ሂወቱ ዘላቒ ፍታሕ ስኢኑ እናተሸገረ ከም ዝመፀ ድሕሪ ምግላፅ፣ ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ ካብቲ ዝሓለፈ እዋን ብዝኸፈአ ሕፅረት ፁሩይ ዝስተ ማይ ኣጋጢሙ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

ካብዚ ፀገም እዚ ዘናግፍ ብወገን እቲ ስርዓት ሉዑል ባጀት ወፃኢ ብምግባር ብዘላቕነት ከገልግል ዝኽእል መፅናዕቲ ዝተገበሮ ፍልፍላት ማይ ወይ ካልእ ዝሐሸ ሜላ ክፈጥር ብዘይምኽኣሉ እቲ ብፀግን ፀግን ዝተሰረሐ ንግዝያዊ መዕገሲ ሕቶታት ህዝቢ እውን እንተኾነ ብቐፃሊ እናተቖራረፀን እናተበላሸወን ካብ ኣገልግሎቱ ክሳርኡ ብኢሱ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ።

ኣብ መወዳእታ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ከባቢ መሰቦ ዝርከብ ንኸተማ ከቐለ ንኸገልግል ዝተሰረሐ መዋህለሊ ማይ ዝተገጣጠመ ዓቢዪ መመሓላለፊ ትቦ ብምቑራፁ ምኽንያት፣ እቲ ማይ እናፈሰሰ ናብ ተገልጋሊ ሕብረተሰብ ከይበፀሐ ይባኽን ከም ዘሎን ህዝቢ ድማ ከቢድ ሳዓቤን ከየስዕብ ህፁፅ ፍታሕን ፅገናን ክግበረሉ ሕቶ የቕርብ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።  




No comments:

Post a Comment