Monday, July 11, 2016

ናይ ዓረና ትግራይ ኣባል ኣመራርሓ ዝኾነ ኣቶ ኣብርሃ ደስታ ብ2ተ ሓምለ 2008 ዓ/ም ካብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝወፀ ተገሊፁ።



ኣቶ ኣብርሃ ደስታ ካብቲ ዝተኣሰረሉ ምኽንያት ነፃ ኢኻ ተባሂሉ ካብ ዝተነገረሉ እዋን ኣትሒዙ ክወፅእ እናተገብኦ፣ እንተኾነ ግን ንቤት ፍርዲ ተዳፊእኻ ብዝብል ምኽንያት፣ ጥፍኣተኛ ተባሂሉ ክሳብ ሕዚ ዝፀንሐ እንትኸዉን፣ ብኽልተ ሓምለ 2008 ዓ/ም ድሕሪ ናይ 2 ዓመት እስራት ነፃ ተባሂሉ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝወፀ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ናይ ፌደራል ዓቃቢ ሕጊ ብ2007 ዓ/ም ወርሒ ጥቅምቲ ብናይ ሽብር ወንጀል ክሲ ካብ ዝተመስረቶም ዓሰርተ ሰባት ሓደ ዝኾነ ናይ ዓረና ትግራይ ንልእላዉነትን ዲሞክራሲን ፓርቲ ናይ ስራሕ ኣመራርሓ ኣቶ ኣብርሃ ደስታ፣ ኣብዞም ናይ ክልተ ዓመት ናይ ማእሰርቲ ፃንሖቱ ዝተፈላለየ ግፍዕታት ይበፅሖ ከም ዝነበረ በቢእዋኑ ይግለፅ ዝነበረ ኮይኑ፣ ብጥርጣረ ጥራሕ ልዕሊ መጠን ካብ ትፅቢቱ ወፃኢ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝፀንሐ ኣብርሃ ደስታ ብልሳኑ ንዝተፈላለየ ሚድያታት ቃሉ ከም ዝሃበ ተፈሊጡ።
ኣቶ ኣብርሃ ደስታ እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘብፅሖም በደላት ብፍላይ ድማ ብህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀሙ ወንጀላትን ግፍዕታትን የቃልዕ ከም ዝነበረን ኣብ መራኸቢ ሓፋሽን ናይ ኢንተርኔት ድህረ ገፃትን የዉፅኦም ዝነበረ ፅሑፋት፣ በዚ ድማ እቲ ስርዓት ሕማም ርእሲ ስለ ዝኾኖ ብናይ ሓሶት ክሲ ኣብርሃ ደስታ ብሽብርተኝነት ተኣሲሩ ከም ዝፀንሐ ይፍለጥ።  




No comments:

Post a Comment