Monday, July 11, 2016

ናይ ኣዲስ ኣበባ ቀሊል ባቡር ትራንስፖርት ካብቶም ዝነበሩ 41 ቀለልቲ ባቡራት እቶም 19 ቀለልቲ ባቡራት ብናይ ቴክኒክ ብልሽት ምኽንያት ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኖም ከም ዘለው ተፈሊጡ።



ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ ናይ ኣዲስ ኣበባ ቀሊል ባቡር ትራንስፖርት ኣገልግሎት ካብ ዝጅምር 9 ኣዋርሕ  ጥራሕ ዘቑጸረ ኮይኑኣብዚ ሕዚ ካብቶም ዝነበሩ 41 ቀለልቲ ባቡራት እቶም 19 ቀለልቲ ባቡራት ብናይ ቴክኒክ ብልሽት ምኽንያት ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኖም ከምዘለው ዝረኸብናዮ ሓቤረታ ኣረዲኡ።
ከም ኣገላልጻ እቲ ሓበሬታ እተን ተበላሽየን ዘለዋ ባቡራት ተጸጊነን ስርሐን ክቕጽላ እንተደኣ ኮይነን መለዋወጢ ኣቕሑ ዘድልየን እካ እንተኾነ  እንተኾነ ግን ናይቲ ፕሮጀክት ኮንስትራክሽን ቻይና ኢንጅነሪንግ ኮርፖሬሽን ሬልወይ ምስ ናይ ትራንስፖርት ኣገልግሎት ማነጅመንት ኮንትራክተር ሕጋዊ ስምምዕ ብዘይምህላው እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ክቕረፍ ከምዘይከኣለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።





No comments:

Post a Comment