Wednesday, July 6, 2016

ንናይ ውሽጢ ዓድን ናይ ወፃኢ ሸርፊ ክውዕሉ ተባሂሎም ዝነበሩ ትካላት ኮርፕረሽን ፋብሪካ ሽኮር ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝተመደበሎም ግዜ ክዛዘሙ ብዘይ ምኽኣሎም ሕፅረት ሽኮር ኣጋጢሙ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።



ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ፣መንግስቲ ኢትዮጵያ 4 ናይ ፋብሪካ ሽኮር ኮርፕሬሽን  ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ግልጋሎት ክህቡ እዮም ኢሉ  ልዕሊ ሰለስተ ቢልዮን ገንዘብ መዲቡ እኳ እንተነበረ፣ እንተኾነ ግን  እቶም ትካላት ፋብሪካታት ሽኮር ኣብ ዝተመደበሎም ግዜ ህንፀቶም ተዛዚሞም ስሮሖም ክጅምሩ ብዘይ ምኽኣሎም ምኽንያት፣ ዝለዓለ ሕፅረት ሽኮር ኣጋጢሙ ከም ዘሎ ናይ ውሽጢ ዓዲ ጋዜጣታት ገሊፀን ይብል እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ።

ብተመሳሳሊ ጠለብ ናይ ውሽጢ ዓዲ ዕዳጋ ክውዕል ዘድሊ ሽኮር 543 ሽሕ ቶን እንትኸውን ካብዚ ድማ እቲ 44% ጥራሕ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብምፍራዩ ነቲ ናይ ውሽጢ ዓዲ ጠለብ ከማልእ ብዘይ ምኽኣሉ መንግስቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን 140 ሽሕ ቶን ሽኮር 71 ሚሉዮን ዶላር ወፃኢ ብምግባር ካብ ህንዲ ምእታው ከም ዝጀመረ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ። 

ኣብ መወዳእታ  ጠለብ ናይ ውሽጢ ዓዲ ኣኺሉ ንሰደድ ተላኢኹ ናይ ወፃኢ ሸርፊ ክውዕል እዩ ተባሂሉ እኳ እንተነበረ፣ እንተኾነ ግን ነቲ ናይ ወፃኢ ሸርፊ ክረክብስ ይትረፍ ነቲ ናይ ውሽጢ ዓዲ ጠለብ  ከም ዘየማለአ እቲ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።




No comments:

Post a Comment