Thursday, July 14, 2016

ንልዕሊ 20 ዓመታት ዜጋታት ክነብርሎም ዝፀንሑ ኣባይቲ ልቐቑ ብምባል ብኣፍራሲ ግብሪ ሓይሊ ኣብ ኣሸጋሪ ኩነታት ትእዛዝ ምዉራዱን ምፍራስን ኣግባብነት ከም ዘየብሉ ይግለፅ ኣሎ።



ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማታት እቲ ስርዓት ይወስዶ ዘሎ ናይ ምፍራስ ስጉምቲ፣ ኣግባብነት የብሉን ክብል ሚእኣድ ዝገለፀ እንትኸዉን፣ ብሓምለ 5ተ 2008 ዓ/ም ዜጋታት ንነዊሕ ዓመታት ክነብርሉ ዝፀንሑ ኣባይቶም ፈሪሱ ንጎደና ሓደር ምቅልዖም ምኢኣድ ብወገኑ ኣጥቢቑ ከም ዝኹንኖ ኣብ ዘዉፅኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።
ሚኢኣድ ወሲኹ ህይወትን ንዝዓነወ ንብረትን ምኽንያት ዝኾኑ ኣብ መንግስታዊ ሓላፍነት ዘለዉ ሰበስልጣን ናብ ሕጊ ክቐርቡን ኣባይቶም ፈሪሱ ኣብ ፈቐዶ ጎደና ዝርከቡ ወገናት ድማ ብቕልጡፍ መግብን መፅለልን ካልኦት ኣቕርቦትን ክመላኣሎምን ከምኡ 'ዉን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝግበር ዘሎ ምፍራስ ኣባይትን ዕንወትን  ምጉስቛል ዜጋታትን ደዉ ንኽብል ሚኢኣድ ኣጠንቂቑ።
ብተወሳኺ 'ዉን ብርክት ዝበሉ ወገናት ይገልፅዎ ከም ዘለዉ እዞም ኣባይቲ እንትስርሑ መንግስቲ ኣቐዲሙ ክእግዶ እናተገብኦ፣ ንነዉሕ ዓመታት ዜጋታት ክነብርሎም ዝፀንሑ ኣባይቶም ሕዚ ክፈርሱ ምግባር ካብ ሓደ ህዝቢ የመሓድር ኣለኹ ዝብል  መንግስቲ ክፍፅሞ ዘይኽእል ስጉምቲ እዩ ብምባል ይገልፅዎ ዘለዉ እንትኾኑ፣ በዚ ተግባር እዚ ድማ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕዚ ዘለዉ ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት ተሓተቲ ከም ዝኾኑ ተገሊፁ።

No comments:

Post a Comment