Thursday, July 14, 2016

ኣባላት ፓርላማ ሓዱሽ ይስራሕ ዘሎ ናይ ፓርላማ ህንፃ ነዊሕ ግዜ ብምዉሳዱ ምኽንያቱ እንታይ ምዃኑን ካልኦት ጥርዓናትን ከም ዘቕረቡ ተፈሊጡ።



ክህነፅ እዩ ዝተብሃለ ሓዱሽ ናይ ህዝቢ ተወከልቲ ቤት ምኽሪ ህንፃ ንምንታይ ከም ዝዘንግዐን ኣብ ከመይ ዝበለ ደረጃ ከም ዘሎን ናይቲ ቤት ምኽሪ ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ሪፖርት ኣፈጉባኤ ኣባዱላ ገመዳ ኣብ ዘቕረብሉ እዋን፣ ብዛዕባ እቲ ሓዱሽ ህንፃን ካልኦት ሕቶታትን እቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ከም ዘቕረቡ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ። 
ነቶም ኣባላት ፓርላማ ዝተዉሃቦም መልሲ ድማ እቲ ዝተበጀተሉ ገንዘብ ዓቢ ብምዃኑን ብኡ መጠን ድማ ምድላዉን ምሕሳብን ከም ዘድልዮን ንዲዛይኑ ድማ ቡዙሕ ርኢቶ ስለ ዝተውሃበና እዩ ብምባል መልሲ ዝተዉሃበሎም እኳ እንተኾነ ኣዕጋቢ መልሲ ከም ዘይኮነ ግን እቶም ኣባላት ገሊፆም።  እቲ ሓዱሽ ናይ ፓርላማ ህንፃ ኣራት ኪሎ ባሻ ወልዴ ችሎት ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ይስራሕ ዘሎ ኮይኑ፣ ዲዛይን ናይቲ ህንፃ ሓደ ናይ ወፃኢ ሓደ ድማ ናይ ዉሽጢ ዓዲ ኩባንያታት ብሓባር ብምዃን ይጅምርዎ ምህላዎም ተፈሊጡ።
ካልእ 'ዉን ኣብ ገርጂ ዝተብሃለ ከባቢ ብሓባር ዝነብሩ ኣባላት ፓርላማ  ኣባይቶም ይስረቑን ይህረሙን ከም ዘለዉን፣ ዝምልከቶ ኣካል ድማ ሓለዋ ክገብረሎም መምርሒ ክህብ እቶም ኣባላት ዝሓተቱ እንትኾኑ ኣብ ምዝርራብ ኣለና ዝብል ምላሽ ከም ዝተዉሃቦም ድማ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።   


No comments:

Post a Comment