Thursday, July 14, 2016

ናይ ኣዲስ ኣበባ ትምህርቲ ቢሮ ኣብ ልዕሊ ናይ ግሊ ኣብያተ ትምህርቲ ዉሳነን መጠንቀቕታን ከም ዘምሓላለፈ ተፈሊጢ።



ናይ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምምሕዳር ትምህርቲ ቢሮ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ናይ ግሊ ትካላት ትምህርቲ ኣፍልጦን ፍቓድን ኣዋህባን ሕድሳትን ኣወዳድባን ስርዓተ ትምህርትን ናይ ተማሃሮ ናይ ምዘና ስርዓተ ኣፈፃፅማን ኣቕርቦትን ኣገልግሎት ኣዋህባ፣ ናይ ዝውውር ፖሊሲ ትግበራን ዉሳነን መጠንቀቕታን ከም ዝሃበ ተገሊፁ።  
ብርክት ዝበሉ ኣብያተ ትምህርቲ ብኣልማሚት  ሽግር ከም ዘለዎም ዝገለፀ እቲ ቢሮ፣ ብፍላይ ድማ  ጊብሰን ዩዝ አካዳሚ ትምህርት ቤት፣ ፊውቸር ታለንት ትምህርት ቤት፣ ኢትዮ ፓረንትን ስኩል ኦፍ ቱሞሮ ትምህርት ቤትን ዝተጋነነ ሽግር ተረኺብዎም ብምባል ስጉምቲን መጠንቐቕታን ከም ዝተዉሃቦም እቲ ቢሮ ኣፍሊጡ።
በዚ ድማ እቶም ሰብ ትካላት ኣብ ስራሕቶም ዕንቅፋት ይኾኖም ከም ዘሎን ኣብ ልዕሊ እቲ መንግስቲ ድማ ዘይቅኑዕ ስጉምቲ ክብሉ ከም ዝገለፁ ተሓቢሩ።

No comments:

Post a Comment