Monday, July 11, 2016

ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓበሬታ ተዓፅዩ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።



ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓበሬታ ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ጀሚሩ ከም ዝተዓፀወ ኣገልግሎት ዜና ኣሶስየትድ ፕረስ ዝገለፀ እንትኸዉን። ብመሰረት ሓበሬታ ኣሶስየትድ ፕረስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ስጉምቲ ዝወሰ ኣብታ ሃገር ካብ  ሰኑይ ኣትሒዙ ንዝካየድ ሃገራዊ ፈተና ብዘይ ዕንቅፋት ክቃናዕ ምእንቲ እዩ ክብል እኳ እንተገለፀ፣ በዚ ድማ ቡዙሓት ወገናት ሓበሬታታት ኣብ ርእሲ ምስኣኖም ስራሕቶም ኣብ ምስላጥን ናብ ዉሽጥን ናብ ደን ናይ ምርኻብ መስርሕ ተሪፁ ብምህላዉ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኣብ ከቢድ ፀገም ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።
ናይ 12 ክፍሊ ሃገራዊ ፈተና ይካየደሉ ካብ ዘሎ እዋን ኣትሒዙ ክሳብ ረቡዕ  ክቕፅል ምዃኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይገልፅ ኣብ ዘለሉ። እቶም ዝተዓፀዉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓበሬታ ንፈይስ ቡክ ሓውስካ ዝተፈላልዩ መተሓላለፊ ሓበሬታ ዕፅዋት ምዃኖም ተገሊፁ።
ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት  ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ተሰሪዙ ናብ ካልእ ግዜ ዝተመሓላለፈ ሃገራዊ ፈተና ብማሕበራዊ መራኸቢታት ሓበሬታ ኣቐዲሙ ድሕሪ ምብታኑ ከም ዝተሰረዘ ዝዝከር ኮይኑ። ሕዚ ድማ ነዚ ምዕፃዉ ሓበሬታ ስዒቡ ገለ ወገት ነዚ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ሕጋውነት የብሉን ክብሉ ድሕሪ ምግላፅ ንሚልዮናት ዜጋታት ሓሳባትካ ናይ ምግላፅ ነፃነት ምንፋግ ምዃኑ የደኡ።

No comments:

Post a Comment