Wednesday, July 6, 2016

ሓደ ኣባል ናይ ዓረና ፓርቲ ኣብ ክልል ዓፋር መንነቶም ብዘይተፈለጡ ሰባት ተቐቲሉ ከም ዝተረኸበ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።



ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከብ ብሕታዊ ተቓዋሚ ውድብ ዓረና ፓርቲ ኣብ መራኸቢ ድህረ ገፁ ከም ዝገለፆ፣ መንእሰይ ዝናቡ ሃይሉ ዝተብሃለ ኣባል ናይቲ ዉድብ ኣብ ክልል ዓፋር ኩርማ ኣጋ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ መንነቶም ብዘይተፈለጡ ሰባት ተቐቲሉ ከም ዝተረኸበ ድሕሪ ምግላፅ፣ ነዚ ስዒቡ ድማ 5 ሰባት ብጥርጣረ ከም ዝተኣሰሩ እንትገልፅ ኣስክሬኑ ድማ ኣብ ዓይደር ሆስፒታል ክምርመር እኳ እንተኽኣለ እንተኾነ ግን ቀተልቲ ዝናቡ ሃይሉ ብጥርጣረ እንተዘይኮይኑ ክሳብ ሕዚ ክርከቡ ከም ዘይክኣሉ ተቓዋሚ ውድብ ዓረና ፓርቲ ኣፍሊጡ።

ወዲ 35 ዓመት ዝኾነ ዝናቡ ሃይሉ ኣብ ዝሓለፈ ናይ 2007 ዓ/ም ዝተኻየደ መረፃ ኣብ ሕንጣሎ ዋጅራት ንዓረና ወኪሉ ተወዳዲሩ ዝነበረ እንትኸዉን፣ በዚ ድማ ብዝተፈላለየ ዘይቡቑዕ ምኽንያት ብህወሓት /ኢህወዴግ/ተኣሲሩ ከም ዝነበረን ከምኡ እውን ማህረምቲ በፂሕዎ ከም ዝነበረ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ኣብ ትግራይ ዝርከብ ብሕታዊ ተቓዋሚ ውድብ ዓረና ፓርቲ ካብ 2000 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብዞም ዝሓለፉ 8 ዓመታት ዉሽጢ ንዝናቡ ሃይሉ ሓዊሱ ኣርባዕተ ኣባላቱ ከም ዝተቐተልዎ ብምግላፅ፣ ንሳቶም ድማ፣ ኣረጋዊ ገብረስላሴ፣ ልጃለም ካላኣዩን ታደሰ ኣብርሃን ዝተብሃሉ ኣባላቱ ከም ዝተቐተሉን፣ ካልኦት ኣባላቱ ድማ ብዕጡቛት እቲ ስርዓት ዝተፈላለየ ግፍዕታት ከም ዝተፈፀሞም ኣረዲኡ።







No comments:

Post a Comment