Monday, July 11, 2016

ንነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንሞት ዘቃልዖም ዘሎ ሕማማት መበገሲኡ እንታይ ምኻኑ ዝገልፅ መፅናዕታዊ ፀብፃብ ከም ዝወፀ ተገሊፁ።



ንነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ጥዕና ፀገም ኮይንዎም ዘሎ ሕማም መበገሲኡ እንታይ ምዃኑ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት መፅናዕቲ ክካየድ ከም ዝፀንሐ ዝገለፀ ኣቲ ሓበሬታ ናይ ኢትዮጵያ ሓለዋ ጥዕና ሰብ ሞያ ማሕበር ምስ ናይ ኣመሪካ ናይ ተምሓላለፍቲ ሕማማት ምክልኻልን ጥዕናን ማሕበር( ሲዲሲ) ብምትሕብባር። ካብ 2006 ዓ/ም ክሳብ 2009 ዓ/ም ንሰለስተ ተኸታተልቲ ዓመታት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ 49,309 ናይ መወቲ ቤተሰብ ቃለ-መጠየቕ ብምክያድ ዝወፀ እቲ ፀብፃብ ከም ዘመላኽቶ ካብ ሚኢቲ እቶም 51 ዝሞቱ ሰባት ተምሓላለፍቲ ብዘይኮኑ ሕማማት ዝሞቱ እንትኾኑ 42 ድማ ብተምሓላለፍቲ ኣንትኾኑ እቶም 6 ድማ ብሃንደበታዊ ሕማም ከም ዝሞቱ እቲ ፀብፃብ ኣመልኪቱ።
እዞም ከምዚ ዝበሉ ቀተልቲ ሕማማት ቀዳማይ ደረጃ ዝሕዙ ድማ ሕማም ልብን ፀቕጢ ደምን ኮይኖም እቲ ዝዓበየ ቦታ ኣንትሕዙ ነዚኦም ስዒቦም ድማ ንህዋሳት ዝምርዝ ካንሰር ኮይኑ። ንቡዙሓት ሕማማት ብምዝርዛር በቢ ደረጅኦም ንዘለዉ ናይ ሞት መበገሲ ምኽንያታት  ዝገልፅ ፀብፃብ ዝወፀ እንትኸዉን እዚ ፀብፃብ እዚ ድማ ኣዝዩ ኣደንጋፂ ከም ዝኾነን ብወገን መንግስቲ ኣብ ጥዕና ዜጋታት ዝገብሮ ፃዕሪ ደካማ ከም ዝኾነ ዘርኢ ፀብፃብ ተባሂሉ ይግለፅ ኣሎ። 


No comments:

Post a Comment