Wednesday, July 6, 2016

ኣብ ናይሮቢ ዝርከቡ ኢትዮጵያዉያን ስደተኛታት ናይ ምግቢ ምሕሳም ኣድማ ከም ዘካየዱ ካብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ።



ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ኢትዮጵያዉያን ስደተኛታት ጋዜጠኛን ናይ ፖለቲካ ፓርቲ ኣባል ዝኾነ ሃፍታሙ ኣያሌዉ እገድኡ ተላዒልሉ ናይ ወፃኢ ናይ ሕክምና ዕድል ክረክብ ዝጠልብ ሕቶ ሒዞም ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ናይ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ቤት ፅሕፈት ፊት ንፊት ኮፍ ብምባል፣ ናይ ምግቢ ምሕሳም ኣድማ ብምክያድ ሕቶኦም ከም ዘቕረቡ ተገሊፁ።   

እቶም ብሰንኪ ስርዓት ኢህወዴግ  ሃገሮም ገዲፎም ኣብ ስደት ዝርከቡ ወገናት ናይ ሃፍታዉ ኣያሌዉ ምስሊ ዘለዎ ማልያ ተኸዲኖም ኣብ ልዕሊ ሃፍታሙ ኣያሌዉ ዝተምሓላለፈ ናይ ፍርዲ ቤት እገዳ ንክልዓለሉን ኣብ ወፃኢ ሃገር ከይዱ ሕክምና ክረክብን፣ ናይ ሰብኣዊ መሰል ተጣባቒ ዝኾነ ዉድብ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ክገብር ከም ዝጠየቑን ተፈሊጡ።
ሃፍታሙ ኣያሌዉ ካብ ቤት ማእሰርቲ እቲ ስርዓት ወፂኡ ከቢድ ሕማም ኣጋጢምዎ ኣብ ዘለሉ፣ ብቤት ፍርዲ ድማ ካብ ሃገር ከይወፅእ እገዳ ከም ዘምሓላለፈን በዚ ድማ ሃፍታሙ ኣያሌው ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝርከብን ቤተሰቡ ድማ ኣዝዮም ተሸጊሮም ሃፍታሙ ናይ ወፃኢ ሕክምና ዕድል ክረክብ ሕቶ ዋላ'ኳ እንተቕረቡ ፍታሕ ክረኽቡ ከም ዘይክኣሉ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።







No comments:

Post a Comment