Sunday, August 14, 2016

ካብ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴ.ም.ህ.ት) ዝተውሃበ ውድባዊ መግለፂ፣



ሃገርና ኣብ ትሕቲ ኢ-ዴሞክራሲያዊ ኣገዛዝኣ ስርዓት ኢህወደግ ካብ ትኣቱ ርብዒ ዘመን ሓሊፉ 'ሎ፣ እዚ ፀረ-ህዝቢ ጉጅለ፣ ናብ ስልጣን ካብ ዝወፅእ ን25 ዓመታት መመላእታ፣ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ንድሕሪት ኣወንዚፉ፣ ዕድመ ስልጣኑ ከውሕስሉ ኣብ ዝኽእሉ ህልም ዝበሉ ፀረ-ዴሞክራሲ ተግባራት ተዋፊሩ ፀኒሑ’ሎ፣
ኣብዞም ተቖፂሮም ዘለዉ ናይ ስልጣን ዘመኑ፣ ሰብኣውን ዴሞክራስያውን መሰላት ህዝብና ተገፊፉ፣ ልዕልነት ሕጊ ተረጊፁ፣ ህዝብና ብሕጊ ምልካውያን እናተመሓደረ መሪር ስቓይ ከሐልፍ ተፈሪዱ እዩ፣ ፀኒሑን ዘሎን፣ ከም ውፅኢት ናይዚ ድማ፣ ሰብኣውነቱ ዝተገፈፈ ህዝቢ፣ ኣደባባይ ወፅዩ ድምፁ ዓው ኣቢሉ ኣንፃር እቲ ስርዓት ዝቐነዐ ተቓውሞ ከስምዕ ፀኒሑ እዩ።

እቲ ስርዓት ግን ዴሞክራስያዊ ሕቶታት ህዝቢ ሰሚዑ ኣብ ክንዲ ግቡእ ምላሽ ምሃብ፣ ብኣፈሙዝ ብረት ከንበርክኾ እዩ ክፍትን ተራእዩ፣ እዝን ካልእን ናይ 10 ዓመት ጉዕዞ ፀረ-ህዝቢ ተግባራት ኢህወደግ ብምግምጋም፣ ኣብ ትሕቲ ኣረሜናዊ ጉጅለ ኢህወደግ ኮይንካ ብመንገዲ ሰለማዊ ቃልሲ ኣካይድካ ኣብ መረፃ ተወዳዲርካ ጨቛኒ ስርዓት ኢህወደግ ጉሒፍካ ስልጣን ናይ ህዝቢ ምግባርን ቅኑዕ ፍትሒ፤ዴሞካስን ሰላምን ምንጋስ ኣይካኣልን ዝብል መደምደምታ ንምውሳድ ኣፀጋሚ ኣይነበረን።

እነሆ ድማ ህዝብና ህዝቢ ትግራይ ወያነ ኢህወዴግ ብሓይሊ ብረት ዳኣ እምበር ብሰላማዊ መንገዲ ስልጣኑ ንህዝቢ ከረክብ ከም ዘይኽእል ቅድሚ 15 ዓመታት ከረጋግፅ ብምኽኣሉ፣ ንባህርታት ናይቲ ስርዓት ብዝግባእ ገምጊሙ ወያነ ኢህወዴግ ብዕጥቃዊ ቃልሲ ጥራሕ እዩ ክእለ ዘለዎ ዝብል መርገፂ ሒዙ፣ ኣንፃሩ ዝቐነዐ ዕጥቃዊ ቃልሲ ክጅምር ተገዲዱ ዩ።

ዝኸበርኩም ህዝብታት ሃገርና፣ ወያነ ኢህወዴግ ካብ ኣፈጣጥርኡ ፀረ-ዴሞክራሲ ስለ ዝኾነ፣ ካብ ቀደም ጀሚርኩም ክሳብ ሎሚ እናተቓወምኩሞ መፂኹም ኢኹም፣ እቲ ስርዓት’ውን ከም መግለፂ ባህርያቱ ብሰላማዊ መንገዲ መሰሉ ንዝሓተተ ህዝቢ እናጫፍጨፎን እናቐተሎን መፂኡ እዩ። ወያነ ክሳብ ሎሚ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ሃገርና ዘጥፈኦ ህይወት ንፁሃት ዜጋታትና ድማ ዝያዳ ባዕልኻ ትፈልጦ።
ይኹን እምበር እዚ ስርዓት ኣንፃሩ ንዝላዓሉ ህዝባዊ ተቓውሞታት ናይ ጥይት ግብረ መልሲ ስለ ዝሃበሎም፣ ዓጊቱ ክዓግቶም ኣይካኣለን፣ ናይዚ ኩሉ ውፅኢት ድማ ናብ ካልእ ከይከድና ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ዝካየዱ ዘለዉ ሰልፍታት ክንርኢ ንእል ኢና።

ቅድሚ 8 ኣዋርሕ ብህዝቢ ኦሮሞ ምስ ማስተር ፕላን ተኣሳሲሩ ዝተልዓለ ድጉል ሓዊ ብውሑዳት ተላዒሉ፣ ነቲ ተቓውሞ ንምቕሃም በቲ ስርዓት ዝተወሰደ ዓፀፋዊ ስጉምትን ዝወሃብ ዝነበረ ነኒ ባዕሉ ዝጋማዳሕ መግለፅታትን ክዕገት ኣይከኣለን። እኳ ደኣ ብዝበኣሰ ተባሪዑ ኣብ ኩሉ ከባብታት ብምብፅሑ ሂወት 400 ኑፁሃት ዜጋታት ግዳይ ሞት እንትኾኑ፣ ልዕሊ 10 ሽሕ ወገናት ድማ ከም ዝተኣሰሩ ዝዝከር እዩ።
ሕዚ ‘ውን እቲ ደላይ ፍትሒ፤ ሰላምን ዴሞክራስን ዝኾነ ውፅዕ ህዝቢ በቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ዝወርዶ መግረፍትን ቅትለትን ማእሰርትን ከይተሰኮነ፣ ቃልሱ እናጎሃሃረ ሂወት ደቁ ብሓይልታት ፀፅታ መዓልታዊ ኣብ ማእኸል ጎደና እናገበረ ይርከብ። መቐፀልታ ናይዚ ድማ እቲ ኣብዚ ቅንያት፣ ዳርጋ ኣብ መብዛሕቲኡ ክልላት ሃገርና ብፍላይ ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ ክባራዕ ክኢሉ እዩ።
ዝኸበርካ ህዝብና፣ እዚ ስርዓት ብተፈጥርኡ ፀረ ህዝቢ ስለ ዝኾነ ኣብዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ብርቱዕ ተቓውሞ ‘ውን ህይወት ንፁሃት ዜጋታትና ኣብ ማእከል ጎደና፣ ብጥይት ካብ ምቕዛፍ ንድሕሪት ኣይበለን፣ ህይወት ብርክት ዝበሉ ዜጋታትና ኣሕሊፉ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ይገልፅ።
ውድብና ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴ.ም.ህ.ት) እዚ መግለፂ እንትህብ ንልዕሊ ርብዒ ክፍለ ዘመን ዝኣክል ብዓፈናን ግዕዝይናን ኢህወደግ ነፃነት ፀሚዎ ዝሓንገደ ህዝቢ ንዘርእዮ ዘሎ ውዕውዕ ቃልሲ ኣብ ጎኑ ጠጠው ከም ዝብል እናገለፀ።
ነካይዶ ተቓሞ ሓንሳብ ኣብ ኦሮሞ፤ ኣብ ትግራይ፤ ሓንሳብ ድማ ኣብ ኣምሓራ ካብ ዝኸውን ኣብ ሓደ ቦታ ንዝላዓል ተቓውሞ ኩልና ክንስዕቦን ሓደ መሰረታዊ ለውጢ ክሳብ ዝመፅእ፣ ሓደ ተቓዋሚ ሓደ ተዓዛቢ ዘይኮነስ ናይ ሓባር ፀላኢ ሓበራዊ ቅልፅም ክዓርፎን ቅልጡፍ ለውጥን ዓወትን ዘምፅእ ሕብረት ኣገዳሲ ምዃኑ ውድብና ዴምህት በዚ ኣጋጣሚ መልእኽቱ የመሓላልፍ።
ዓወት ንውፅዓት!!
ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴምህት)ነሓሰ 2008 ዓ.ም.


No comments:

Post a Comment