Wednesday, February 8, 2017

ኣብ ወረዳ ኢሮብ ከተማ ደውሃን ዝነብር ሕብረተሰብ ብከቢድ ሕፅረት ፅሩይ ዝስተ ማይ ይሳቐ ከም ዘሎ ምንጭታትና ሓቢሮም።




ህዝቢ ከተማ ደውሃን ብሰንኪ ኣጋጢምዎ ዘሎ ሕፅረት ቀረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ ፅሬቱ ዘይተሓለወ ማይ ንመስተን መብሰሊ ምግብን ይጥቀም ብምህላዉ ንዝተፈላለዩ ማይ ወለድ ሕማማት ይቃላዕ ከም ዘሎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ ኣብ ቀረበኦም ብተመጣጣኒ ክፍሊት ግልጋሎት ሕክምና ክረኽቡ ዘይምኽኣሎም ድማ ተወሳኺ ፀገም ኮይንዎም ከም ዘሎ ኣረዲኦም።

ኣብታ ወረዳ ንኩለን ጣብያታት ዘራኽብ ፅርግያ ዘይምሃልዉ ድማ ነበርቲ ሕሙም ተሰኪሞም ናብ ሕክምና ክመላለሱ ተገዲዶም ከም ዘለዉ፣ ተፈሊጡ፣ ውድብ ህወሓት ትግራይ ብፅርግያ ዓይኒ ዓራት ክገብራ እየ ይብል እኳ እንተነበረ፣ ዓይኒ ዓራት ተሪፉ ሕሙማት ክረድኣ ዝኽእላ ኣምፑላንስ ክግልገላሉ ዝኽእላ ፅርግያ ‘ውን ክሰርሕ ኣይካኣለን ብምባል ህዝቢ መረረቱ የስምዕ ከም ዘሎ ወሲኾም ሓቢሮም።

ምንጭታትና ወሲኾም እዚ ኣብ ደውሃን ኣጋጢሙ ዘሎ ሕፅረት ፅሩይ ዝስተ ማይን ንጣብያታት ዘራኽብ ፅርግያ የለን ዝብል ኣብ ኩለን ወረዳታት ትግራይ ብተደጋጋሚ ህዝቢ ከም ፀገም ዘልዕሎም ዘሎ ግን ድማ ብመንግስቲ ግቡእ ቆላሕታ ረኺቦም ክፍትሑ ዘይካኣሉ ፀገማት እዮም ክብሉ ገሊፆም።




No comments:

Post a Comment