Friday, February 17, 2017

ንዝረግፅዎ ረመፅ ምዃኑ፣ ዘመስከረ ህዝቢ!!



እቲ መንነቱን ክብሩን ዘይድፈር ሱሙይ ህዝቢ ብውሑዳት ጠላማት ሰብ ግዜ ስብእንኡ ክምንጠል ወይ ክድፈር ታሪኹን ታሪኽ ሕሉፍ ስረ ኣቦታቱ ፍፁም ኣየፍቅደሉን። ምኽንያቱ መን ምዃኑን ካብ መን ከም ዝተፈጠረን ባዕሎም እቶም ብኢዱ እናተመገቡ ዓብዮም ሕዚ ህዝባዊ ሓደራን ሓላፍነቶም ጠንጢኖም ብግዝያዊ ስኽራን ዝዓበዱ መራሕቲ ነዚ ህዝቢ መንነቱ ዘንጊዖም ክብድልዎ እኳ እንተፈተኑ ንወፅዓ ወጊድ እንተይሉ ክዕገት ዘይኽእል ማዕበል ስለ ዝኾነ ሓደ መዓልቲ ከም ዝፀርጎም ንሶም እውን ብዝግባእ ይፈልጥዎ እዮም።
እቲ ሓቂ እዚ እንተድኣ ኮይኑ ነቲ ደረት ኣልቦ ዝኾነ ግፍዕን ዓመፅን ናይዞም መራሕቲ፣ ህዝቢ በደል ኣብ ልዕሊኡ እናተደጋገመ ክቕፅል ዝፀውር እንግድዓን ሕልናን ከም ዘይብሉ እቲ ዘስምዖ ዘሎ ናይ እምቢታ ድምፂ እኹል መረዳእታ እዩ።
ኮይኑ ግን እቲ ካብ ህዝቢ ተነፂሉ ዘሎ ስርዓት ሕዚ’ውን ናይ ቀቢፀ ተስፋ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ዜጋታት መርኣያ ኣረሜናዊ ተግባራቱ ዝተፈላለዩ ዓይነት ዘለዎም ስጉምትታት የውርድ እኳ እንተሎ፣ ኮይነ ግን እቲ ንወፅዓን ጭቆናን ወጊድ እናበለ ብስሪኡ ስርዓታት እናደርበየ ዝመፀ ሱሙይ ህዝቢ ግን ሕዚ እውን ኣብ ምግፋጥ እዩ ዘሎ።
ስለ ዝኾነ እዞም ውሑዳት ጎሓላሉ እቲ ኣብ ዕድመ ስልጣኖም ሙሉእ ኣብ ልዕሊ ወገኖም ክፍፅምዎ ዝፀንሑን ዘለውን ኩሉ ዓይነት በደላት ሎሚ ንዝረግፅዋ መሬት ረመፅ ምስ ኮነቶም፣ ካብ ሓደጋ ከድሕኖም ዘይኽእል ግዝያዊ   ፈጠራታት ሃሰው ክብሉ ተገዲዶም ኣለው።
እቲ እንትረግፅዎ ረመፅ ዝኾነ ህዝቢ ግን ብዝኾነ ይኹን ተኣምር በቶም ሓንሳብ ካብ ሕልንኡ ሓኺኹ ዝደርበዮም ደመኛታቱ ኣብ ሎሚ በፂሖም ቁስሊ ህዝቢ ከሕዊ ዘይኽእል መድሓኒት ከምፅኡለይ ይኽእሉ እዮም ዝብል ትፅቢት የቡሉን። ምኽንያቱ ኢህወዴጋውያን ናይ ስልጣን ህርፋን ድኣ እምበር ህዝባዊ ዕላማን ረብሓን ኣቐዲሞም ብኡ ተገዛእቲ ክኾኑ ባህሪኦም ኣየፍቅደሎምን። እዚ ከምዚ ዓይነት ዕውር ናይ ስልጣን ስሰዐን ህርፋንን ዝዓብለሎ ስርዓት ድማ ክእለን ክኹነንን ስለ ዘለዎ ህዝቢ ድማ ብኹሉ ሸነኻት እታ ሃገር ነዚ ደመኛ ህዝቢ ዝኾነ ስርዓት ንምእላይ ኣብ ምርብራብ ይርከብ።
እንተ እቶም ውክልና ህዝቢ ዝረሓቖም ጓሓላሉ ግን ሎሚ እውን ንይምሰል ህዝቢ እንታይ ከም ዝደሊ መድረኻት እናኸፈቱ ይሓትዎን በል ተዛረብ ኢሎም ምርጭኡን ዘለዎ ቆስልን ፅልኢትን ምስ ተረድኡ፣ ኣንፃራዊ መልሲ ክህብዎን ስለምንታይ ካብ’ቲ ናታቶም ድልየትን ምርጫን ከም ዝወፀ ብዝተፈላለዩ ኣሽማት ከጠምቕዎ እዮም ዝረአዩ ዘለው።
እዚ ብኣብነት ኣደጊፍካ ምልዓል ይከኣል እዩ። ማለት ናይ ካልእ ከም ዘለዎ ኮይኑ እቲ ብህዝቢ እምባሰነይቲ ብራሕቒ ምሕደራን ስእነት መሰረተ ልምዓትን መሰረት ብምግባር ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝኣክል ብቐረብኡ ዝመሓደረሉን ፍትሒ ዝረኽበሉን ከይዲ ክህሉ ብዘይ ዕረፍቲ ንዝምልከቶም ኣካላት ጥርዓኑ እናቕረቦ ከም ዝመፀን ዘሎን ዝፍለጥ እዩ።

እንተኾነ ግን እዚ ናይ ወረዳና ይመለስ ብዝብል ዘልዓሎ ሕቶ ናፈቕቲ ደርጊ፣ መለዓዓልቲ፣ ፀረ ልምዓታዊ መንግስትናን ሕገ-መንግስትናን እናተብሃለ ኣሽማት ክልጠፎምን ምስ ጎረባብቱ ብዓይኒ ጥርጣረ ክረአ ከምዝኽኣለ እቲ ህዝቢ ዘስመዖ ዘሎ ሓቂ እዩ። ህዝቢ ግን ነቲ ቕኑዕ ክድግፍ ነቲ ሽግርን ክረኽቦ ዝግባእ ረብሓታት ድማ ቡፅሑለይ ወይ ድማ ዓገብ ክብል ናቱ ግደ እዩ ነይሩ።

እንተኾነ ግን ኣብ ክንዲ ኣካል እቲ ፍታሕ ዝኸውን ኣካል እቲ ፀገም እንዳኾነ ዝኸይድ ዘሎ ገዛኢ ስርዓት ይኹን እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጉጅለ ብዘካይዶም ዘሎ ተግባራውነት ዘይብሉ መድረኻት ተኸቲሉ ዝኣትዎም ዘሎ መብፃዓታት ሰናይ ተግባር ምፅባይ ዕድመ ስልጣኑ ካብ ምንዋሕ ሓሊፉ ዝፈጥሮ ተኣምር ኣይክህልዎን።
  ምኽንያቱ እቲ ሐዚ ፈንቂሉ ዝወፅእ ዘሎ ክፍኣትን መረረትን ህዝብና፣ ውፅኢት ቃልሱን ከምኡ እውን ልዕሊ ቁፅፅር እቲ ስርዓት ሓሊፉ ኣብ ዝኸፍኣ ኩነታት በፂሑ ከም ዘሎን ቡኡ ልክዕ ድማ ረመፅ ምዃኑ ዘንጊዖም ክረግፅዎ ዝወሰኑ መራሕቲ ሱቕ ኢሉ ዝርኢ ወይ ተረጊፁ ሱቕ ዝብል ዘይኮነስ ንዝረግፅዎ ረመፅ ምዃኑ ኣረጋጊፁ 'ሎ።

No comments:

Post a Comment