Sunday, June 18, 2017

ተፃብኦታት ኣብ ልዕሊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ሃገርና



ህዝብታት ሃገርና ኣብ ልዕሊኦም ብዝተፅዓነ ናይ ጥፋት በድል ንምብታኽ ክብሉ ዝተፈላለዩ መልክዓት ዘለዎም ናይ ቃልሲ መማረፅታት ብምሓዝ ን26 ዓመታት ሙሉእ ብዘይዕረፍቲ ኣንፃር ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ  ክንቀሳቐሱ ምፅንሖምን ምህላዎምን ዝፍለጥ እዩ።
እዚ ስርዓት እዚ ድማ ኣብ ኣቑፂሩዎም ዘሎ 26 ዓመታት ውሽጢ ካብ እዋን ናብ እዋን ነቶም ባዕሉ ኣርቒቑ ዘፅደቖም ናይ ዜጋታት ሰብኣውን ዴሞክራስያውን መሰለት ብምጥሓስ፣ ብምእጋድ ኮታስ ንስልጣኑ ከለላ ዝኾኑዎ መንገድታት ብምኽታል ናብ ህልም ዝበለ ፀረ ህዝብን ፀረ ሕገ-መንግስትን ተግባራት ተዋፊሩ ንህንፀት ዴሞክራስን ዕብየት ሃገርን ኮሊፉ ኣብ ናይ ውልቃዊ ናብራን ግዕዚናን ጥሒሉ ናብ ክወፆ ዘይኽእል ቅሉውላው ኣትዩ ከምዘሎ ውድዓዊ ሓቂ እዩ።
ነዞም በቢ እዋኑ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከውርዶም ዝፀንሐን ዘሎን ኩሉ ዓይነት በደላት ድማ ፣ኣደብ ክገብረሎም ካብ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ገስገስቲ ዝኾኑ ናይ ለውጢ ሓይልታት ኣብ ሕገ መንግስቲ ብዝሰፈረ መሰላት ተጠቒሞም ንተግባራት እቲ ስርዓት ብፁሑፍ ዘቃልዑ፣ ሓሳቦም ብነፃ ዝገለፁ፣ዝተቓዎሙ ወገናት ኣብ ክንዲ ዘላቒ ዝኾነ መፍትሒ ምንዳይ ርእሶም ከድንኑን ካብ ህዝቢ ንኽንፀሉን ዘኽእል መንገድታት ብምጥንኻር ካብዚ ሓሊፉ ድማ ሃለዋቶም  ጨውዩ ብምጥፋእ ፣ብምቕታል ኢሉ እውን ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ ደጒኑ ብዘይወዓልዎ ገበን እመኑ እናተብሃሉ ንስቓይ እናተዳረጉ ዝመፁን ዘሎውን ዜጋታት ብፍላይ ድማ ሙሁራት፣ኣባላትን ኣመራርሓን ተቓወምቲ ኣዝዮም ቡዙሓት እዮም።  
እዚ ፀረ ህዝቢ ስርዓት እዚ ኣብ ልዕሊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ብዝገብሮ ዘሎ ዓፈናን ማእሰርትን ንኹሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ይኣስሮን ይሕንቆን ምህላው ግን ኣይተርደኦን።ምኽንያቱ ህዝቢ ዝሓስብ ሕንልናን ዝርኢ ዓይንን ዝሰምዕ እዝንን ስለ ዘሎዎ፣ እቲ መማረፂ ሓሳብን ፖሊስን ሒዙ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ ድማ ባዕሉ እቲ ህዝቢ እዩ ክተፍኦን ክሓቑፎን ዝግበኦ።
እንተኾነ ግን ምስፍሕፋሕ፣ ምጥንኻር ናይ ፖሎቲካ ወይ ናይ ዴሞክራሲ ትካላትን ፖሎቲከኛታትን ዋንነቱ ምዃኑ ዘንጊዑ ነቶም ብህዝቢ ፅቡቕ ተቐባልነትን ደገፍን ዘሎዎም ሙሁራትን ፖሎቲከኛታትን ኢሉ እውን ገስገስቲ ውድባት ኣብ ክንዲ ምትብባዕን ምጉልባትን ብዝተፈላለየ መንግድታት እናገበረ ከዳኹሞም ክብትኖም ክኣስሮም ኣብ ልዕሊኦም ብገንዘብ ብዝተዓሰቡ ኣካላት ፀፅታን ድህንነትን እናገበር ጉድኣት ከብፀሐሎም እዩ ዝረአ ዘሎ።
ብምዃኑ ድማ በቢ እዋኑ ንምእንተ ፍትሕን ዴሞክራስን ልዕልነት ሕግን ንምንጋስ ክብሉ ዝመሰሎም ሓሳብ ኣንፃር እቲ ስርዓት ብምፅሓፎም ብምቁዋሞም ናብ ኣደባባይ ወፂኦም ሰለማዊ ሰልፊ ብምግባሮም ጥራሕ፣ ግዳይ ድራር ጥይት ዕሱባት ሓይልታት ፀፅታ እቲ ስርዓት ዝኾኑን ቡኡ ልክዕ ድማ ዝሞቱ፣ ከቢድን ፎኲስን ጉድኣት ዝበፅሖም፣ ዝተኣሰሩ ወገናት ኣዝዮም ቡዙሓት እዮም።
ብዛዕባ እዚ ንኹሉ እኳ እንተዘይዘርዘርና ከም ኣብነት ምልዓል ግን ይከኣል እዩ።ማለት እቲ ኣብ ቀረባ ዓመታት ተመስሪቱ ሉዑል ደገፍን ተቐባልነትን ዝነበሮ ሰመያዊ ፓርቲ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ እቲ ብኦሮሞ ኮንግረስ ዝፅዋዕ ፓርትን መራሒኡን ኣባላቱን እንታይ ዕጫ በፂሑዎ ከምኡ 'ውን ተቓዋሚ ፓርቲ ዓረና ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣባላቱን ኣመራርሕኡን ብካድረታት ህወሓት ይኹን ብድህንነት እንታይ ዓይነት በደላትን ዓፈናን ይበፅሖ ከም ዘሎ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ልዕሊ ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኣብራሃ ደስታ ዝበፅሐ ጥቕዓት እኹል ምስክር እዩ።
ስለዚ ብፀረ ህዝቢ ጉጅለ ኢህወድግ ኣብ ልዕሊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ዝኾኑ ውልቀ ሰባትን ውድባትን ዝበፅሕ ጥቕዓት ኣብ ልዕሊ ሙሉየናት ህዝብታት ይፍፀም ከም ዘሎ ብምርዳእ ኩሉ ደላዪ ለውጢ ኣይፋል ክብል ይግባእ ንብል።

No comments:

Post a Comment