Tuesday, July 25, 2017

በሰላ ብመጉዳእቲ ኣይድሕንን!!



እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ብሕልፊ ድማ ካብቲ ንውሑዳት ረብሓ ንምሕላው ዓሊሙ ብሹም ማስተር ፕላን ኣዲስ ኣበባ ዝወፀ ኣዋጅን ኑሱ ዘስዓቦ መዘዝ፣ ህዝቢ ዘይውክሎ ምዃኑ ናብ ኣደባባይ ወፂኡ ተቓውሙኡ ከስምዕን ሓይልታት ፀፅታ ድማ ንዝለዓል ተቓውሞ ብብረት ክዶቕሱ ኣብ ዝፈተንሉ ብቕፅበት ካብ ዉሱን ቦታ ተበጊሱ ናብ ኩሉ ከባብታት ገፀርን ከተማን ክልል ኦሮሞ እናለሓኸ ብምኻድ ቡዙሕ ሂወት በሊዑ፣ ኣዕኒዩ፣ኣሰቕዩ፣ኣንገላቲዑ ከብቅዕ፣
ንዓመታት ክነዓዓብ ዝፀንሐ ሕቶ መንነትን መፍትሒ ዝሰኣነ ናይ ወሰን ግጭታትን ብዝተትሓዘ ኣብ ክልል ኣምሓራ እውን ረስኑ ብምውሳኽ 5 ሓምለ 2008 ዓ/ም ከተማ ጎንደር ብዓመፅ ህዝብታት ክትናወፅ ገይርዋ።ከም ሰዓቤኑ እውን ቡዙሕ ሂወት ሰብ ጠፊኡ ብሙልዮናት ዝግመት ንብረት ዓንዩ ብሄር መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ተፈፂሙ፣ኑፁሃት ዜጋታት ካብ ሃገሮም ናብ ትውልዲ ካባቢኦም ክፈናቐሉ ተገዲዶም።እዚ ዝወለዶ ድማ ኣብ መንጎ ህዝብታት ከቢድ ስግኣትን ምጥርጣርን ፈጢሩ፣ካብን ናብን ተንቀሳቒሶም ዝሰርሕሉን ዝነብርሉን ዕድል እናፀበበ መፂኡ።
እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ክልል ደቡብ ኣብ ዞባ ጌዶ ኣብ 4 ወረዳታት ኣብ 2 ከተማ ምምሕዳራት ብዝተልዓለ ቢሄር መሰረት ዝገበረ ግጭት ሂወት ልዕሊ 34 ሰባት ከም ዝሓለፈን ዕንወት ንብረትን መጉዳእቲ ኣካልን ከም ዝበፅሐ ዝፍለጥ ኮይኑ ፣ኣብ ሞንጎ ክልል ኦሮሞን ሶማልን ኣብ ሞንጎ ዓፋርን ኣምሓራን ኣብ ሞንጎ ትግራይን ዓፋርን 'ውን ብናይ መዋሰኒ ቦታታት ምኽንያት እናተልዓለ ሂወት ሰብ ዝበልዕ ዘሎን ንቐፃሊ እውን በሰላ እናገደፈ ዘላቒ መፍትሒ ስኢኑ ዝቕፅል ዘሎ ሓደጋ ዝርሳዕ ኣይኮንን።
ምስዚ ብተወሳኪ እውን እቲ ብኩሉ ኣንፈታት ብግዑዙይ ምሕደራ ኢህወደግ ሰንሰን ዝበለ ህዝቢ ሕቑኡ ኣዚሩ ኣይፋል ንወፅዓ፣ ኣይፋል ንመዝመዝቲ ዝብል ወነ ሓዲርዎ ንመሰሉን ረብሓታቱን ጠጠው ክብል ተገዲዱ እዩ።እዝን ካልእን ቁጠዐ ህዝብታት ዝፍውስ መልሲ ከይረኸበ ተግባራውነት ዘይብሎም ዝተፈላለዩ መደናገርቲ ምህዞታት እናተበራኸቱ ክኸዱን ንሸፈነ ሚድያ ክውዕሉን ይግበሩ ኣሎው።
ብድምር ክረአ ከሎ ህዝብን ሃገርን ወኪሉ የመሓድር ኣለኹ ዝብል ስርዓት ካብ ህዝቢ ዝበፅሖ ዕጫ ኣብ ስልጣን ዘፅንሖ ኩነታት ኣይነበረን።በቲ በለ በቲ ኣብታ ሃገር ፓሎቲካውን ኢኮኖምያውን ማሕበራውን ዘይምርግጋዕ ብምፍጣሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ድማ ሉዑል ዝኾነ ማሕበራውን ስነ ልበናውን ማህሰይቲ ኣስዒቡ እዩ።
ነዚ ማህሰይቲ ህዝቢ ድማ ግቡእ ጠመተ ተገይርሉ ዘላቒ ፍታሕ ድኣ ክረክብን ክምለሰሉን ምተገብኦ 'በር ካልእ ኣብ ልዕሊኡ ደበና ጥፍኣት ከንፀላልዎን ኣብ መቑሕ ውሑዳት ክኣቱ ኣይምተገበኦን ነይሩ።
እዚ ክንብል ከለና እቲ ቅድሚ 8 ኣዋርሕ ኣቢሉ ኣብ ባህላዊ በዓል ኢሪቻ ንምኽባር ዝተኣኻከበ ህዝቢ ኦሮሞ ዝተፈጥረ ህውከትን ዕግርግርን ስዒቡ ዝሃለቐ ሂወት ኑፁሃት ዜጋታት ኑሱ ዘሰዓቦ ምንዕዓብ ህዝብታት ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት ከመይ ዓይነት ኩነታት ተፈጢሩ ምንባሩ ካብ ማንን ዝተኸወለ ኣይኮነን።
እዚ ድማ ኣብ ክንዲ መፍትሕታቱ ምንዳይ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ተባሂሉ ዜጋታት ኣብቲ ዓመፅ ኢድ ነይርኩም እናተብሃሉ ብኮማንድ ፖስት እናተኣለሹ ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ ክኣቱን ክሳቐዩን ተጨውዮም ሃለዋቶም ክጥፍእ ካብ ሃገሮም ክስደቱ ተገይሩ እዩ።
በዚ መንገዲ'ዚ ን6 ኣዋርሕ ተፈቲኑ መፍትሒ ክኸውን ብዘይምኽኣሉ ዳግም ን2 ኣዋርሕ ተናዊሑ ከብቅዕ  ኣብዚ ቅንያት 'ዚ ድማ ሚኒስትር ምክልካል ብዋናነት ከዓ ናይቲ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ሓላፊ ንጋዜጠኛታት ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ እቲ ኣውጅ ካብ ናይ ክልል መንግስትን ናይ ፀፅታ ሓይልን ቁፅፅር ወፃእ ኣብ ዘይኾነሉ ኩነታት ብምብፅሑ ካብ ፌደራል ናብ ናይ ክልል ምምሕዳራት ክዘውር 'ዩ ብምባል ገሊፁ 'ሎ።
ስለዚ በሰላ ህዝብን ሃገርን ክሕከም እንተድኣ ኮይኑ ንዝተልዓለ ሕቶን ድልየትን መሰረት ዝገበረ መፍትሕታትት ምቕማጥን ምስራሕን 'በር ብሓደ ገፁ ዝጎተመ ስሕለትካ ቀይርካ ብምብላሕ ዳግም ንህቢ ክትሕግሕግ ምፍታን ፍታሕ ኣይኮነን።

No comments:

Post a Comment