Thursday, September 7, 2017

ኣብ ትሕቲ ኢህወዴግ ነፃነት ሚድያ ኣይረጋገፅን!!



ዓለምና ንምግማቱን ምእማኑን ዘፀግም ቴክኖሎጂካዊ ሕንባበን ብራኸ ዕብየትን እናመዝገበት ትኸይድ ኣብ ዘላትሉ እዋን ንርከብ። ሃገራት ድማ በቲ ሙዑቡል ቴክኖሎጂካዊ መሳርሒ ተጠቒመን ኢኮኖሚያዊ ረኽቢ ብምፍጣር፣ ካብ ናይ ባዕለን ወድዓዊ ኩነታት ተበጊሰን ለውጢ ንምምፃእን፣ ዝተማዓራረየ ናብራ ህዝበን ንምርግጋፅ ውፅኢት ሙዑቡል ቴክኖሎጂካዊ መሳርሒ ተግባራዊ ንምግባር ላዕልን ታሕትን እንትብላ፣ ህዝብታት ድማ በቢ ዕለቱ ንዝኽሰቱ ህለው ኩነታት ሃገሮምን ከባቢኦምን ዓለምን ኣፍልጦ ንኸሕድሩ ሓበሬታ ብቐረባን ስሉጡን ረኺቦም ዝሓሸ ህይወትን ተስፋን ኣብ ዘማዕድውሉ እዋን ንርከብ።

በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብቲ ዘለናዮ ምዕቡል ዘመን ዴሞክራስያውን ሰብኣውን መሰል ዜጋታት እናተፀየፉ ፖለቲካዊ ስልጣኖም ንምንዋሕ ክብሉ ሓበሬታ እናዓፈኑ ከም መትከል ወሲዶም ክሰርሕሉ ምርኣይ ዕለታዊ ፍፃመ እዩ።

በዚ መሰረት ሃገርና ኢትዮጵያ ኣካል እዚ መስርሕ ብምዃና ኣግባቡ ዝጠፈኦም ውልቀ መለኽቲ ሰበ ስልጣን ኢህወደግ ኣምራት ዴሞክራስያዊ መሰላትን ምቛም ነፃ ሚድያን ብዝብል ሸፈነ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ይኹኑ ናይ ብሕቱ ዝኾና ሚድያታት ተጠቒሙ ኣብ ተግባር ዘይውዕሉ ዝተፈላለዩ ሕግታትን መድረኻትን ከካይድ ይረአ እዩ።

እንተኾነ ግን ኣብ'ዞም ዝተሓለፉ ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓመታት ዴሞክራስያዊ መሰልና ይከበር ኢሎም ብናይ'ቲ ስርዓት ፕሮፖጋንዳ ተታሊሎም ሰልፊ ሒዞም ኣብ ጎደናታት ዝወፁ ንፁሃት ወገናትና ይኹኑ ብዝተፈላለየ መንገዲ ተቓውሞኦም ዝገለፁ ንሞት ክቃልዑ ክንገላትዑ ኣብዝሓ ድማ ኣብ ትሕቲ መፃወድያ ናይ'ቲ ስርዓት ኣትዮም ኣብ ዘይወዓልዎ ገበን ምስ ሓይልታት ግብረ ራዕዲ ርክብ ኣለዎም ብዝብል ናይ ሓሶት ጠቐነ ተፃዒንዎም ብዘይ ንሕስያ ኣብ ትሕቲ እሱር ክሳቐዩ፤የስግኡ እዮም ንዝበልዎም ፖለቲከኛታት ይኹኑ ጋዜጠኛታት ድማ ንዓመታት ተፈሪዶም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣትዮም ዘሎው ውሑዳት ኣይኮኑን።
እዝን ካልእን ዝፍፀመላ ሃገር ህዝቢ ስለ ሃገሩ ሓፈሻዊ ኩነታት ዝከታተለሉ ነፃ ሚድያ ክረክብ ሓሳቡ ብነፃነት ክገልፅ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰሉ ክህልዎ ወይ ተግባራዊ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢልካ ትፅቢት ኣይትገብረሉን።ምኽንያቱ ኣብ ሃገርና ዝትግበሩ ሓፈሻዊ ዕለታዊ ፍፃመታት ትኽክለኛን ዘይተዛበዐን ሓበሬታ ህዝቢ ዝረክብ ዘይኮነስ ብናይቲ ስርዓት ድልየትን ትእዛዝን ጥራሕ ዘተግብራ ሚድያታት ክበራኸታ እየን ዝረአያ ዘሎዋ።

ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ'ተን ሚድያታት ናይ'ቲ ስርዓት ተቐርቂሮም ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት እዋናዊ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ክባፃሕ ኣብ ክንዲ ምግባር፣ ኣብ ባይታ ንዘየለ ዝተዛበዐን ዝተጋነነን ናይ ልምዓት ንጥፈታት ይኹን ኣብ ጎይላ ወዲ ጎይላ ዘድሃበ መደባት ተፀሚዶም ከመሓላልፉ ንዕዘቦም ኣለና።

እዚ ከይዲ እዚ ድማ ኣብ ሃገርና ንዝፍፀሙ ጭቡጣት ኩነታት ኣብ ህዝቢ ከይበፅሑ ሸምሪሩ ሒዙዎም እዩ ጥራሕ ከይኮነስ፣ ነተን ሓደ ሓደ ብደገ ዝፍነዋ ነፃ ሚድያታት ሓቃዊ ምስልን ንዝፍፅምዎ እከይ ተግባሮም ተቓሊዖም ኣብ ህዝቢ ንኸይበፅሕ፣ ካብ ህዝቢ እናተመንጨተ ብዝእከብ ገንዘብ ይኹን ካብ ናይ ደገ ሃገራት ብዕዳ ብዘምፅእዎ ቢልዮናት ገንዘብ፣ ኣብ ናይ ልምዓት ስራሕቲ ይኹን ኣብ ረብሓ ህዝቢ ከይወዓለ ብዝረአዩን ዘይረአዩን ሜላታት ክዕፍኑ ይቀዳደሙ።ነተን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዋ ናይ ውልቂ ሚድያታት ድማ    ኣብ ክንዲ በቲ ስርዓት ዝበፅሑ ጉድለታት ነቒሰን ብምውፃእ ህዝቢ ክመሃረሉን ዝሓሸ ሃዋህው ንምፍጣር ዝሰርሓ በቲ ዘጋጥመን ማሕለኻን ስእነት ዴሞክራስያዊ ባይታን ስእነት ሓበሬታን ተገዲደን ኣብ ረብሓን ንግድን ዝተመስረተ ውዕላት ብምእሳር ስፖንሰራትን ድራማን ካልእን ክሰርሓ ይውዕላ ኣሎዋ።

   ብዛዕባ ምቛምን ምትርናዕን ነፃ ሚድያ ብዝምልከት ሰበ ስልጣን ኢህወዴግ ኣብ ባይታ ንዘይትግበር ጥዑማት ናይ መመሓየሺ ሓሳባት የስሙዑ እዮም።ናይቶም በብእዋኑ ኣብ መድረኽን ኣብ ሚድያን ተዛረቦም መኺኖም ዝተረፉ ሓሳት ከም ርዱእ ወሲድና፣ኣብ ዝሓለፈ 2008 ዓ/ም ዝተብሃለ ጥራሕ ኡኹል ኣብነት እዩ።
   ኣብ መፋርቕ 2008 ዓ/ም ከባቢ ኣቢሉ ብዛዕባ ናይ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢንዳስትሪ ምምስራት ኢትዮጵያ ብእትደልዮ ጉዕዞ ዕብየትን ምዕባለን ንምቕፃል ተበታቲኑ ዝፀነሐ ትካላት መራኸብቲ ሓፋሽ ብሓደ ዓይነት መተሓዳደሪ ደንቢ ዘለዎ ቤት ምኽሪ ተመስሪቱ ክብሉ ንዝተውሰነ መዓልትታት ዜና ክሰርሕሉ ተራእዮም ነይሮም።ጠቕላይ ሚኒስተር ናይቲ ስርዓት እውን እንተኾነ መንግስታዊ ዝኾና ትካላት ንሚድያ ኣድላዪ ዝኾነ ሓበሬታ ንክህባ ስምምዕነት ከም ዝተገበረን፥ ብሓፈሻ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝግባእ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ኣብ እዋኑ ንምብፃሕ ካብ ኣካላት መንግስቲ ሓበሬታ ንምርካብ እፋፈት መንግስቲ ክፉት እዩ ኢሎምም ነይሮም።
   ናይዞም ዝተብሃሉ ሓሳባት ኣብ ባይታ ወሪዶም ክትግበሩ ብዘይ ምኽኣሎም ድማ ሕዚ እውን ምምስራት ነፃ ሚድያታት ንህንፀት ዴሞክራሲ ወሳኒ ግደ ኣሎዎን እንትብሉ ኣብያተ ዕዮ መንግስትን ናይ ስራሕ ኣፈፀምቲ ኣካላትን ድማ ዕንቅፋት ከም ዝኾኑ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ርክብን መንግስትን ዝኾኑ ሚኒስተር ነገረ ለንጮ ኣብዚ ሰሙን ክገልፁ ተራእዮም።
    እንተኾነ ግን ነፃነት ሚድያ ኣብ ዝተኻየደት መድረኽ መራሕቲ እናተቐያየሩ ብዘስምዕዎ መደረ ዝረጋገፅ ዘይኮነስ ካብ መሰረቱ ጥጡሕ ዝኾነ ዴሞክራስያዊ ባይታ ፈጢርካ ነፃነት ሚድያ ንምርግጋፅ ብግብሪ እንተሰሪሕኻሉ እዩ።
 

No comments:

Post a Comment