Sunday, August 27, 2017

ፖሊሲ ምሕዋይ ከባቢ ትግራይ ብዓይኒ ህዝብን ናይ ደገ ኣካላትን ከመይ ሰሪሑ?



   እቲ ኣብ በዓል ኣሸንዳ ወይ ድማ በዓል ማርያ ጉዝጓዝ ተጠቒሙ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ኣባይ ዎሉ ዝተውሃበ ድራማዊ መግለፂ ዝምልከት ኮይኑ፣ኑሱ ነታ ዕለት ተዳልዩ ብምፅናሕ ፖሎቲካዊ መኽሰብ ክረክብ ያኢ ተባሂሉ ትግራይ ኣብ ቻይና ዝተዳልወ ውድድር ምሕዋይ ከባቢ ብዝምልከት ናይ ወርቂ ተሸላሚት ኢሎምና ኣሎው 'ሞ ህዝቢ ትግራይ እንኳዕ ደስ በልካ! እንኳዕ ኣሕጎሰካ ብምባል ከም ሓደ ዓቡዪ ብስራትን ህያብን ሒዙ ከም ዝመፀ ክገልፅ ተራእዩ።
  ኣብዘሓ ህዝቢ ዝእከበሎም ወይ ድማ ብሚድያ ዝከታተሎም በዓላት ፀግዒ እናገበርካ ነቲ ኣብ ባይታ ወሪድካ ዘይትረኽቦ ተግባራት ኣብ መድራኻት ግን ኣፍካ ዘምዕጉ ብተስፋ ዘሳግሉ ጥዑማት ልሳናትን መግለፅታትን ምሃብ ሉሙዳት ተግባራት መራሕትን ካድረታትን ህወሓት እዮም።
  ናይዚ መቐፀልታ እዩ ድማ እቲ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣባይ ዎሉ ትግራይ ተሸላሚት ቡሉፅ ምሕዋይ ከባቢ ተባሂልና ብምባል ኣብቲ ኣብዝሓ  ብኣክልን ብተለቪዥንን ዝከታተሎ ድሙቕ በዓል ኣሸንዳ ተረኺቡ እንኳዕ ደስ በለና ክብል ዝተርኣየ።
  ብዛዕባ 'ዚ ብዝግባእ ተፈቲሹ ፣ናይ ነዊሕ ዓመታት ግብራዊ ምንቕስቓስ ምድሓን ከባቢ ትግራይ መፅናዕቲ ተገይርሉ ውፅኢት ዘሎዎ ስራሕ እንተተረኺቡ ከምቲ መራሕቲ ህወሓት ዝገለፅዎ ዘሎው እኳ እንተዘይተብሃለ ንቐፃሊ ኣበርቲዕኻ ክትሰርሕ ዝደፋፍእ እዩ።
  ግን ኣየናይ ከባቢ እዩ ትግራይ ተሸላሚት ቡሉፅ ምሕዋይ ከባቢ ከብላ ዝኽኣለ?ትግራይ ካብ ኩሉ ከባብታት ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣላ?እቶም መመዘኒ ረቛሕታት ከ ብልክዕ ንትግራይ ዝገልፁን ውፅኢት ዘለዎ ስራሕ ዝተርኣየሎም መመዘኒታት ድዮም?ብስሩ ኸ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዝዓነወን ዝተባሕጎጎን ከባቢ በበየና ዓኒ ተራእዩን ተፈቲሹን እዩ ናብዚ መደረኽ ሽልማት ተበፂሑ? ነዞም ረቛሕታት እዚኦም ከ ህዝቢ ይኣምነሎም ዶ ወይስ ዉሑዳት ኣብ ወረቐት ኣስፊሮም ብዘውፅኡዎ ይኹን ተባሂሉ ዝተሰርሐ ፅዋታ እዩ?ወዘተ...ኢልካ ሕቶ ክተልዕል ዘገድ እዩ።
  መልሱ ድማ ንቐባሪ መርድእ ከይኸውን ነቲ በዓል ዋና ህዝቢ ክንገድፎ እሞ ንመዘኻኸሪ ዝኸውን ገለ ነጥብታት ክነልዕል።እዚ ስርዓት እዚ ስልጣን ኣብ ዝሕዘሉ ግዜ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ተፈጥራዊ ልምዓትን ሽፋን ሓምለዋይ ከበብን ክንደይ ዝኣክል ፐርሰንት ነይሩ?ሕዚ ኸ እቲ ሓምለዋይ ከባብን ተፈጥሮ ልምዓትን ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ? ክንደይ ዝኣክል ፐርሰንት ከ በፂሑ?ብፍላይ ድማ ትግራይ ካብቲ ናይ 17 ዓመት ደማዊ ኲናት ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ኣእላፍ ወታደራትን ናይ ውግእ ኣፅዋርን ተሽከርከርትን ዘይተፈለያ ሓመድ ዳፍጫኣ እናወፀት ዘላ ክልል ዶ ኣይኮነትን?።
  እስኪ ካብ ምዕራብ ትግራይ ከባብታት ጫፍ ሑሞራ ጀሚሩ ክሳብ ምብራቓዊ ትግራይ ኣብ ወሰናት ዘሎ ሰራዊትን ኑሱ ኣብ ተፈጥራዊ ልምዓትን ብርሰት ኣግራብን ዘብፀሖ ዘሎ ዕንወት በበየናይ ዓይኒ እዩ ተጠሚቱ ወይ ተፈቲሹ?
  በብግዚኡ ብፎኮስትን ከበድትን ኣፅዋራት ዶ ኣይኮነትን መፈተንን መለማመድን እናኾነት ከባቢ ዝቃፀል ዘሎ ፦ሓምለዋይ ከባቢ ካብ ምብራስ ሓሊፉ ድማ ነቲ ቅልሃን ዓረርን ዝፀውር ዘሎ ተፈጥራዊ ሓመድ ኣብ ቀፃሊ ሓደጋ ዝኾነሉ ዕድል ሰፊሕ እዩ።
  እሞ እዚኦምን ካልኦት ንዕርቃና ዘቃልዑ ተግባራት ፀይራ ትኸይድ ዘላ ትግራይ ድኣ ፣ኣብዚ ሕዚ እዋን ብናይ ደገ ኣካላት ተሸላሚት ቡሉፅ ሓልለዋይ ከባቢ ክትበሃል ዝኸኣለትሉ ኩነታት በበየናይ መለክዒ ይኸውን?እዚ እቲ ኣብ ዕርቃኑ ዝወፀ ከባብን ብሰንኪ ስግኣትን ዘይውሑስ ሰላምን ልምዓትን ዕብየትን ዝተነፈጎ ህዝቢ ምልጋፅ እዩ ክበሃሉ ይግባእ።

No comments:

Post a Comment