Sunday, November 26, 2017

ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ከተማ መካነ ሰላም ዝርከቡ ነበርቲ መንግስቲ ንልምዓት ኢሉ መሬቶም ብምምንጣል ካብ ቦታኦም ከምዘፈናቐሎምን ግቡእ ካሕሳ ድማ ከምዘይተውሃቦምን ኣፍሊጦም።



ኣብ ክልል ኣምሓራ፤ዞባ ደቡብ ወሎ፤ከተማ መካነ ሰላም፤ዝነብሩ ዜጋታት መሬቶም ንልምዓት ብዝብል ምኽንያት ዝተሓደጉን ንባዕሎም ድማ ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም ከብቕዑ ክሳብ ሕዚ ካሕሳ ክረኽቡ ብዝይምኽኣሎም ኣብ ሽግር ወዲቖም ከምዝርከቡ ንምፍላጥ ተካኢሉ።
ካብ ከባቢ ህንፀት ዩኒቨርስቲ መቕደላ ካብ መረበቶም ዝተፈናቐሉ ብርክት ዝበሉ ወገናት ምህላዎምን ክሳብ ሕዚ ድማ ዝተውሃቦም ካሕሳ እኹል ከምዘይኮነን ዝተገልፀ ኮይኑ፤ብተወሳኺ ድማ እቲ ሕዚ ሰፊሮምሉ ዘለው ከባቢ እውን እንተኾነ እኹል መሰረተ ልምዓት ከምዘይተማልአሉን ብፍላይ ድማ መብራህቲን ፅሩይ ዝስተ ማይን ብዘይምህላው ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኦም ተፀጊሞም ምህላዎም ኣፍሊጦም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ወ/ሮ ወደር የለሽ ዝተብሃላ ነባሪት ናይታ ከተማ፤ኣብ ከተማ መካነ ሰላም ንከባቢ 58 ዓመታት ከምዝተቐመጣን ትሕዝቶ መሬት ይረጋገፀለይ ኢለን ንዓመታት ዝኣክል ጥርዓነን ኣቕሪበን መልሲ ዝህበን ኣካል ከምዘይረኸባ ብምሬት ገሊፀን።

No comments:

Post a Comment