Sunday, November 26, 2017

ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ብዕምቆት ናይ ምሕዳስ መድረኽ፤ኣብ ከባቢና ሰናይ ምምሕዳር ክነግስ ኣይካኣለን ክብሉ ኣብ ከተማ ኣኽሱምን ከባቢኡን ዝርከቡ ወገናት ገሊፆም።



ኣብቲ ከባቢ ኣብ ኣተዓዳድላ መሬት፤ኣወሃህባ ካሕሳ፤ተጠቃምነት ልምዓትን ካልኦትን ዓብይ ክፍተት ምህላውን ከምኡ እውን ህዝቢ ናይቲ ከባቢ ንዘቕርቦም ጥርዓናት መልሲ ከምዘይውሃቦምን ኣርዲኦም።
መሬት ኣብ ከተማ ይተዓደለና ኢሎም ንዝሓቱ ዜጋታት ንስኹም ድኻታት ኢኹም ኣይግብአኩምን ዝብል መልሲ ቀፃኢ ከምዝውሃቦም ዝገለፁ እቶም ነበርቲ፤ብተወሳኺ ድማ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ካድረታት ህወሓት ብጉቦን ጥቕማ ጥቕምን ዝዓደልዎ ብርክት ዝበሉ ካሬሜትር ዘለው ኮይኖም፤ክሳብ ሕዚ ህንፀቶም ጀሚሮም ኣብ ጥቕሚ ከምዘይወዓሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ብዘይካ እዚ ኣብታ ከተማ ማእለያ ዘይብሎም ናይ ህዝቢ ጥርዓናት መዓልታዊ ከምዝርኣዩን ኣመሓደርቲ ናይታ ከተማ ጥርዓን ህዝቢ ሰሚዖም ግቡእ ፍትሒ ምሃብ ገዲፎም ስራሕ ኣለና፤ኣብ ኣኼባ ኢና ዘለና ዝብሉ ስንኩል ምኽኒታት ከምዘዘውትሩ ኣፍሊጦም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ መዘገጃ ቤት ከተማ ኣኽሱም ውራ መሬት ናይ ምክልኻል ስልጣን እናሃለዎ ከሎ ህዝቢ ዝሃቦ ሓላፍነት ንጎኒ ብምግዳፍ ንባዕሉ መሬት ህዝቢ ኣብ ምውራር ተዋፊሩ ከምዘሎ ኣፍሊጦም።
ካብቶም ብዙሓት ብመዛገጃ ቤት ዝተወረረ መሬት ህዝቢ ድማ ናይ ማሕበር መናእሰይን ማሕበር መማህራን ምዃኖም እቶም ነበርቲ ብኣብነት ኣደጊፎም ገሊፆም።
ብደርጊ ግዜ እኳ ዘይተመንጠለ መንበሪ ኣባይቲ ዝነበሮ መሬቶም ኣብ ዘበነ ስልጣን ስርዓት ኢህወዴግ ከምዝተሓደገ ድሕሪ ምሕባር፤ዝተወሰደ መሬቶም ንኽምለሰሎም ሽዱሽተ ዓመት ሙሉእ ጠሪዖም ፍታሕ ከምዘይረኸቡ ኣረዲኦም።  

No comments:

Post a Comment