Friday, December 1, 2017

ንዘይተርፍ ለውጢ ናይ ለውጢ ሃወርያ ክንከውን ንቃለስ!!



  ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ እዚ ዘሎ ዓፋኒ ስርዓት ተኣልዩ ህዝብታት ሃገርና ብሰላምን ብምፍቕቓርን ዝነብሩሉ ግዜ ክመፅእ ምዃኑ ንምፍላጥ ነብዪ ምዃን ኣይሓትትን። ስርዓት ኢህወዴግ ፀላኢ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኮይኑ ብሄር ምስ ብሄር የናቑረና ከም ዘሎ፤ ብሰንኪ ግዕዘይ ቢሮክራስያዊ ኣሰራርሓን ፖሊሲን ብድኽነት ተፀቒጥና ንኽንነብር ይዳርገና ከም ዘሎ፤ ዴሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላትና ዓፊኑ ቤት ማእሰርቲ ገዝኦም ዝገበሩ ንፁሃት ዜጋታት በዚሖም ከም ዘለዉ፣ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ሞትን ስቅያትን ተበራኺቱ ይቕፅል ከም ዘሎ ካብ ማንም ዝተኸወለ ኣይኮነን።
  ነዚ ኣንፀላልዩና ዘሎ ሓደጋ ጥፍኣትን ምብትታንን ፍታሕ ንምሃብ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዋላ’ኳ ምውዳብን ምጥንኻርን ዘድልዮ እንተኾነ ኣብ ርሱን ሃገራዊ ቃልሲ ተፀሚዱ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ፅፍዒቱ እናመረረ ነቲ ስርዓት ፀምበረር ከብሎ ካብ ዝጅምር ነዊሕ ገይሩ እዩ። እዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ድማ ሳይነሳውን ዝተወደበን ክኸውን ውፅኢቱ ድማ ከምቲ ልሙድ ኣብ ኢድ በለፀኛታት ከይኣቱን ሰላምናን ምዕባለናን ጋህዲ ክኸውንን ግደ ሙሁር ሓይሊ ወሳናይ ኮይኑ ይርከብ።
   ሙሁር ሓይሊ ሃገርና ዓድኻ ገዲፍካ ናብ ስደት ብምምራሕ ንውልቅኻ ጥራሕ ካብ ምንባር ወፂኻ፣ ነቲ ከይተምሃረ ዘምሃረካ ሕብረተሰብ ክትክሕስ ትፅቢት ብዙሓት ደቂ ሃገር እዩ። እዚ ተፈጢሩ ዘሎ መድረኽ ናይ ጥፍኣትን ልምዓትን ክልተ ቀራና መንገዲ ሒዙ ይርከብ። እዚ መድረኽ ብንቕሓትን ብስነ ፍልጠትን እንተሒዝናዮ ዘመነ መቐይሮና ክኸውን እዩ። እንተዘይተጠቒምናሉ ድማ ካብቲ ዘለናዮ 'ውን ክገደና ይኽእል እዩ።
  መንግስቲ ነታ ሃገር ክመርሓ ኣብ ዘይኽእል ደረጃ በፂሑ ይርከብ። እቲ ህዝቢ ድማ ወፅዓ ፀላዕላዕ ኣቢሉዎ እምቢ ንመግዛእቲ ኢሉ ተቓዉሙኡ ኣብ ጥርዚ በፂሑ ይርከብ። እዚ ኩሉ ኮይኑ እናሃለወ ተቓዉሞና ብሓድነት ክድልድልን ፅፍዒትና ክምርዝዝን ብልቢ ሓደ ክንከውንን ይግበአና። ኣብዚ ግደ ሙሁራት ዝለዓለ ክኸውን ይግበኦ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ዘሎ ዘብዘብታ  ናብቲ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ከብፅሑዎ ግዜ ከይሓለፈ ሎሚ ምብጋስ ጥራሕ ዘይኮነስ ምጉያይ እዋኑ ዝጠልቦ መድረኽ እዩ።
  ብፍላይ ድማ ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝርከቡ ተምሃሮ ታሪኽ ሕሉፋት ተምሃሮ ዩንቨርስቲ ምፅናዕ ዘድልዮም ዘሎ ይመስል። ከምኒ ጥላሁን ይግዛው ዝበሉ ደቂ መሳፍንቲ እናሃለዉ ግን ድማ ምስቲ ውፅዕ ህዝቢ ወጊኖም ኣንፃር መስፍንነት ከምኡ 'ውን ንማዕርነት ብሄር ብሄረ ሰባት መስዋእቲ ዝኾኑ ቁልዕታት ኢትዮጵያውያን ብመንፈስ ድሕሪት ምልስ ኢልና ምርኣይ የድልየና ኣሎ።
  ወዲ ሶማል ኮይንካ ኣብ ጂማ፤ ኣምቦ ዩንቨርስቲ ብነፃነት ኮሪዕኻ ክትመሃረሉ ዘይትኽእለሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?፤ ተወላዲ ክልል ኦሮሞ ኮይንካ ኣብ ሶማሌ ኢትዮጵያ ከይድኻ ንምምሃር ዘሸቑርረካ ዘሎ ፀገም እንታይ እዩ? ካድረታትን ላዕለዎት መራሕቲ ኢህወዴግን ጠንቂ ሓድነትናን ልምዓትናን ምዃኖም ኣሚንና ስለ ምንታይ ቃልስና ኣብ ጥርዚ ዘይነብፅሖ። ተጋሩ በዲሎምና፤ ኣብ ሶማል ተጨፍጪፍና፤ ኣብ ኦሮሞ ተቐቲልና ዝብል መፍቶት እቲ ስርዓት ዝኾኑ ሓሳባት ካብ ንደጋግም፤ እምቢታና ኣብ ሶማል ከይደ ኣይመሃርን ወይ ናብ ኦሮሞ ኣይከድን ዘይኮነስ ብስርዓት ኢህወዴግ ኣይምራሕን ዝብል መሪር ተቓዉሞ ክነስምዕ ይግባእ።
  እቲ ዝቃወም ኣካል ሕብረተሰብ ካብቶም ጉሉሕ ተቓዉሞ ዘይረኣየሎም ብፍሉይ ስለ ዝተበደለ ኣይኮነን። ሓለንጊ መራሕቲ ኢህወዴግ ኣብ መላእ ሃገርና ተዘርጊሑ ንኹሉ ሕብረተሰብ እናድመዮ እዩ ዝርከብ። እቲ ዝቃመወም ግን ዝነቐሐን መሰሉን ግቡኡን ኣነፂሩ ዝፈልጥን እዩ። እቲ ዘይቃወም ስለ ዘይተበደለ እዩ በቲ ስርዓት ረብሓ ስለ ዘለዎ እዩ ዝብል መርገፂ እንተሒዝና ኣብ ጌጋ ርድኢት ኣቲና ኣለና ማለት እዩ። ሰብኣውን ዴሞክራስያውን መሰላቱ ብኣግባቡ ዘይተረድአ እንተኾይኑ ነዚ ግዜ ዝምጥን ፖለቲካዊ ንቕሓት እናሃብና ኣብቲ ናይ ለውጢ መስመር ክፅንበር ንግበሮ። ኣብቲ ዝግበር ተቓዉሞ ስክፍታ እንተሃልዩዎ ድማ ተቓዉሞና ንሓቀኛ ማዕርነትን ምዕባለን ከም ዝተሰለፍና ኣእሚንና ደጋፊና ክኸውን ንፅዓር። ህዝቢ ከም ህዝቢ ብፀላኢ ምጥማቕ ንዝኾነ ኣይረብሕን። ህዝቢ ሙሉእ ‘ውን ፀላኢ ክኸውን ኣይኽእልን።
  ስለዚ ኣብ መላእ ሃገርና ዘለኻ መንእሰይ ሓይሊ ኣብ ናይ ለውጢ ማዕበል እናጋለብካ ብወርቃዊ ቀለም ታሪኽካ ወርቕ፤ ንዘይተርፍ ለውጢ ናይ ለውጢ ሃወርያ ክንከውን ድማ ንቃለስ።      
        

No comments:

Post a Comment