Monday, December 11, 2017

ኣብ ውሽጥን ዙርያን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ነፃ ኣገልግሎት መጉዓዝያ ክንረክብ ኣይከኣልናን ክብሉ ኣረዲኦም።



ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ብነፃ ኣገልግሎት ዝህባ ሓደሽቲ ናይ ህዝቢ መጉዓዝያ ቀሪበ ኣለኹ ምባሉ ይፍለጥ።
ይኹን እንበር ተጠቀምቲ ናይዘን ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ነፃ ኣገልግሎት  ክህባ እየን ዝተብሃላ ኣውቶቡሳት ከም ዘይኮና ናይ ስራሕ ቦትኦም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ተወለድቲ ክልል ኦሮሞ ገሊፆም።
ናይዘን ኣገልግሎት ክህባ እየን ዝተብሃላ ሓደሽቲ ናይ ነፃ መጉዓዝያ ክሳብ ሕዚ ተጠቀምቲ ብዘይምዃና ስዒቡ ኣብ ስራሕናን ውልቀ ህይወትናን ከቢድ ፅዕንቶ ይፍጥረልና ኣሎ ብምባል ድማ እቶም ዜጋታት መረረቶም ገሊፆም።


No comments:

Post a Comment