Monday, December 11, 2017

ኣብ ከተማ ሻሸመኒ ኣብ ደቀቕትን ኣናእሸተይ ንግዲ ትካላት ብማሕበር ተወዲቦም ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ዝተዋፈሩ መናእሰይ ናይ ልቓሕ ሓገዝን መስርሒ ቦታን ብዘይምርካቦም ምኽንያት ይፅገሙ ምህላዎም ገሊፆም።



ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ሻሸመኒ ኣብ ደቀቕትን ኣናእሽትን ንግዲ ትካላት ብማሕበር ተወዲቦም ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ዝተዋፈሩ መናእሰይ ልቓሕን መስርሒ ቦታን ይውሃበና ኢሎም ተደጋጋሚ ሓቲቶም መልሲ ከምዝስኣኑ ገሊፆም።
ካብ 2008 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እኳ እንተተዋፈርና ብሰንኪ ምችው ናይ ስራሕ ቦታን ልቓሕ ዘይምርካብናን ካፒታልና ክነዕቢ ኣይካኣልናን ዝበሉ እዞም መናኣሰይ፤ሕዚ እውን ስርዓት ኢህወደግ ንመንእሰያት ጥጡሕ ናይ ስራሕ ቦታ ፈጢሩ ተጠቀምቲ ኣምሲሉ ካብ ዝነዝሖ ዘሎ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ተቖጢቡ ግቡእ ክትትልን ሓገዝን ክገብረልና ይግባእ ክብሉ ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።  

No comments:

Post a Comment