Monday, December 11, 2017

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምኽንያት መሊስካ ምልማዕ ማእለያ ዘይብሎም ኣባይቲ ይፈርሱን ኣብቲ ዝተተለመሎም ግዜ ክሕደሱ ከምዘካኣሉን ተፈሊጡ።



ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምኽንያት መሊስካ ምልማዕ ብርክት ዝበሉ ኣባይቲ ክፈርሱ ዝፀንሑ ኮይኖም፤ይኹን እንበር እቲ ዝወፀ መሊስካ ናይ ምልማዕ ዝብል ፕሮግራም ከምዝተጓተተ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገሊፆም።
ኣብ ዝተፈኣለዩ ከባቢታት እታ ከተማ ካብ 2004 ዓ.ም ብምኽንያት ስራሕቲ መሊስካ ምልማዕ ቁፅሮም ብርክት ዝበሉ ኣባይቲ ክፈርሱ ፀኒሖም እዮም።
እንተኾነ ግና መብዛሕቲኦም እቶም ዝፈረሱ ኣባይቲ ብሓደሽቲ ኣባይቲ ክትክኡ ከምዘይካኣሉን፤ከምኡ እውን  እቶም ዝፈረሱ ኣባይቲ 'ውን እንተኾነ ሙሉእ ብሙሉእ ብዘይምፅራዮም ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እታ ከተማ የፀግም ምህላው ነበርታ ሓቢሮም።
ብተመሳሳሊ ድማ ካብቶም ዝፈረሱ ኣባይቲ ዝተፈናቐሉ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ካሕሳ ይኹን ተለዋጢ መሬት ክሳብ ሕዚ ከምዘይረኸቡ ድማ እናተገለፀ ይርከብ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ክፍለ ከተማ ኣራዳ፤ብተለምዶ ኣረጌው ቄራ እናተብሃለ ዝፍለጥ ቁፅሪ 1 ቁፅሪ 2 425 ኣባይቲ፤ ኣሻወልዲ ኣብ ዝበሃል ቦታ 28 ገዛውቲ፤ኣብ ካሳንቹስ ቁፅሪ ክልተ 22 ኣባይቲ፤ከባቢ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ድማ 5ገዛውቲ፤ብተወሳኪ ኣብ ከባቢ ቀፅሪ ኤምባሲ ኣሜሪካ 20 ኣባይቲ ክፈርሱ ምዃኖም ድማ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

No comments:

Post a Comment