Sunday, February 25, 2018

ብምኽንያት 19 ለካቲት መበል 17 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ(ዴምህት) ዝተውሃበ ውድባዊ መግለፂ፣



- ዝኸበርካ ኣብ ውሽጥን ወፃእን እትርከብ ውፁዕ ህዝቢ ኢትዮጵያ፤ዝኸበርኩም ኣብ ውሽጥን ወፃእን እትርከቡ ኣባላት ውድብና፤ደገፍትን ፈተውትን ቃልስና
-ዝኸበርኩም ምእንተ ህዝብን ሃገርን ህይወትኩም ብምውፋይ ኣብ ርሱን ህዝባዊ ቃልሲ እትርከቡ ተባዓት ተጋደልቲ ዴምህትን ተቓወምቲ ውድባትን፣
ብመጀመርያ እንኳዕ ናብ 19 ለካቲት መበል 17 ዓመት ምምስራት ውድብና ዴምህት ኣብፀሐና ኣብፀሐኩም ክንብል ንፈቱ።
ህዝብና ብስርዓት ወያነ ተጠሊሙ መሪር ናይ ስቓይን ዓፈናን ዓመታት ከሕልፍ ምስ ተፈረደ፤ኣዶ ስዉኣት ጠዋሪ ስኢና ደኒና ምንባዕ ምስ ጀመረት፤ ዉጉኣት ኲናት ብዘሕለፉዎ መሪር ቃልስን ብዝኸፈሉዎ ዋጋን እናሓፈሩ ኣብ ልመና ምስ ተዋፈሩ፣ ህዝብና ንሕና ዝበልናካ ጥራሕ ስማዕ ተባሂሉ ከይዛረብ ኣፍኣፍ ልጓም ምስ ተብሃለ፣ ነዚ ከምዚ ዓይነት ግፍዕን ጭቆናን ክፃወሩ ዘይከኣሉ ደቂ ህዝቢ ከም ሽምዓ መኺኽና ነዚ ኣብ ፀልማት ዝነብር ዘሎ ህዝብና ብርሃን ክንኮኖ ብምባልዮም ልክዕ ከምዛ ሎሚ ሽግ ሓርነት ዝወልዑ፣፣
እዚ ዝመበገሲኡ ህዝባዊ ዕላማ ኣብ ሸትኡ ንምብፃሕ ድማ ኣብዞም ዝሓለፉ 17 ናይ ቃልሲ ዓመታት ኣንፃር ስርዓት ወያነ ብረትና ኣልዕሊና ምእንተ ህዝብናን ሃገርናን ክቡር መስዋእቲ እንዳኸፈልና መፅኢና ኢና።
ውድብና ሎሚውን ከም ትማሊ ብዘጋጠምዎ ፀገማት ከይተበርከኸ እኳዳኣስ ብምሕያል ነቲ በቲ ስርዓት ንውድቀት ህዝብን ሃገርን ዝፈሓስ ዘሎ ተንኮል ንምብታኽ ኩሉ ኣዋዳድብኡ ብምፅፋፍን ዓቕምታቱ ብምብራኽን ንመላእ ህዝብና ዋልታን መኸተን ንምዃን ኣብቲ ቁኑዕ ናይ መስመር ቃልሲ ረጊፁ ዕድመ ናይቲ ስርዓት ንምሕፃር ኣብ ምቅላስ ይርከብ።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ስርዓት ወያነ ዓፅረ ሞት ተታሕዙ ትልኽ ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን ንርከብ፣ ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ጎኒ ህዝብና ኮይና ምስ ኩሎም ተቓለስቲ ኢትዮጵያውያን ብምትሕግጋዝ ነዚ ኣብ ኣፍ ሞት ዝርከብ ስርዓት ቀልጢፍና ክንዓልዎ ልዕሊ ትማሊ መዓንጣና ሸጥ ኣቢልና ክንቃለስ ምዃና ነራጋግፅ፣፣
ህዝብና ንልዕሊ 26 ዓመታት ዝኣክል ብንሕና ኢና ንፈልጠልካ ዝዓይነቱ ዕዉር ኣካይዳ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ርእሱ ደፊኡ እናነበረ፣ ዴሞክራሲ ኣብ ወረቐት ጎሊሓ ተፃሒፋ ኣብ ተግባር ግና ትሕቲ መቓብር ዝኣተወቱሉ ኩነታት እዩ ሓሊፉ። ነቲ ኣፉ ተለጒሙ ናፅነቱ ዝተመንዘዐ ህዝቢ ዓይንን እዝንን ክኾኑዎ በቢግዚኡ ዝቕልቀሉ ሚድያታትን ኣባላት ተቓለስቲ ውድባትን ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንኽብስብሱ እናገበረ፤ እናፈራርሐን እናዓፈነን ፀኒሑዩ።
ሐደ ውልቀ መላኺ ስርዓት ንህዝቢ ዴሞክራስያውን ስብኣውን መሰላቱ ዓፊኑ ክነብር ከምዘይኽእልን እዚ ዝተዓፈነ ሕቶ ህዝቢ ድማ ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ማዕበል ተቐይሩ ክትኮስ ምዃኑ ግዜ ባዕሉ ዘራጋገፀልና እንትኸውን፣ እዚ ሐዚ መላእ ህዝብና ሽቶሉ ስሒሉ ንስርዓት ወያነ ንምጉባጥ በቢኣንፈቱ ዘምሪሾ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ምርኣይ ኣኻሊ እዩ።
እዚ ህዝባዊ ተቓዉሞታት ኣብ ዝለዓለ ጫፍ ምስ በፅሐ ድማ ካድረታትን መራሕትን እቲ ስርዓት ከም ዝብኢ ባዕሎም ንባዕሎም ክባልዑ ይረአዩ ኣለዉ።
ኣብ መንጎ እተን ንኢህወዴግ ዝመስረታ ሕውነት ዘይብለን ግን ድማ ኣሓት ውድባት እናተብሃላ ዝፅዋዓ ዘለዋ ጉጅለታት፣ ምንዕዓቕ፤ ዘይምድምማፅ፤ ውድባዊ ነፃነት ዘይምህላው፤ መፅሄት ብስራት መበል 11 ዓመት ሕታም .27 ለካቲት 2010 /
ውልቃዉነትን ህረፍን ስልጣንን ዝመንቀሊኡ ንሕንሕ ኣብ ክወፁዎ ዘይኽእሉ ዓዘቕቲ ተሸኺለን ይርከባ።
መራሕቲ ወያነ ኢህወዴግ ሕንኽ ከይበሉ ሕዚውን ብድሕረይ ዳንዴር ኣይትብቆላ ዝዓይነቱ ነቲ ዘዝመርሑዎ ክልል መጋበርያ ናታቶም ንኽገብርዎን ንስልኡ ኢሎም ይካተዑ ከም ዘለዉ ኣምሲሎም ብምስባኽ ኣብቲ ንሶም ኣትዮምዎ ዘለዉ ናይ ምፍንጫልን ምብትታንን ተንኮል ንከጥሕሉዎ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ኣብ ምክያድ ይርከቡ።
ዝኸበርካ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብዞም ዝሓለፉ 26 ዓምታት ስርዓት ወያነ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ካብ ዝጥቀመሎም ዝፀንሐ ተንኮላት ሓደ ንዓኻ ብከባቢ፤ብቢሄርን ሃይሞኖትን ወዘተን እንዳናቖተ ኣብ ስልጣን ምንባር እንትኽውን፣ በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ሃገርና ግጭታት ክካየዱ ፀኒሖምንዮም፣፣
ኣብዞም ዝተፈጠሩ ግጭታት ድማ ባዕሉ ፈጣሪኦም ክነሱ ሓላይ መሲሉ ንኻልኦት ብምውንጃል ዓራቒ መሲሉ ከዳናግር ፀኒሑዩ፣፣
ሐዚውን ነቲ ንልዕሊ 26 ዓመታት ኣብ ልዕሊኻ ክፍፅሞ ዝፀንሐ ግፍዕን በደልን ከይኣክል ነቲ ብሓደ ድምፂ ኣብ ልዕሊኡ ተካይዶ ዘለኻ ተቓውሞ ንምድኻምን ፅባሕ ከም ህዝቢ ሓደ ኮይንካ ንኸይትቕፅልን ሐዚውን በታቲኑኳ ክዓርብ ይፅዕር ኣሎ፣፣
ስለዚ ካብቲ እቲ ስርዓት ኣፃዊዱልካ ዘሎ ተንኮል ብንቕሓት ብምውፃእ ብቢሄርን ሃይማኖትን ከይተፋላለኻ ትማሊ ይኹን ሎሚ ፀላኢኻ ስርዓት ወያነ ጥራሕ ምዃኑ ኣሚንካ ሓድነትካ ኣደልዲልካ ኣንፃር እቲ ስርዓት ቃልስኻ ብምሕያል ሃገርና ካብ ናይ ምብትታን ሓደጋ ክተውፃኣን ናብ ዘይተርፍ ዓወት ክትግስግስን ዴምህት ይፅውዕ፣፣
ዝኸበርኩም ተቓወምቲ ውድባት ሃገርና፦
እዚ መድረኽ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣፈላለያትና ኣፅቢብና ኣብ ጎኒ ህዝብና ጠጠው እንብለሉን ሃገርና ካብ ናይ ምብትታን ሓደጋ እነድሕነሉን እዋን ሐዚ ምዃኑ ዴምህት ይኣምን።
ስርዓት ወያነ ክሳብ ሐዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ክዕንድር ዝፀንሐ ናይ ህዝቢ ድጋፍን ሓይልን ስለ ዝነበሮ ዘይኮነስ እቲ ተቓዋሚ ሓይሊ ንኽብሪ ህዝቢ ኣቐዲሙ ነቲ ዝተባታተነ ሓይሊ ናብ ሓደ ኣምፂኡ እቲ ህዝባዊ ቃልሲ ክቃላጠፍ ስለ ዘይዓየየ እዩ፣፣
ስለዚ ሐዚውን እቲ ዘሎ ናይ ሓበራዊ ስራሕ ጅማሮታት ዝነኣድ ኮይኑ ልዕሊኡ ምስራሕን ቃልስና ናብቲ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ንኽበፅሕ ህዝብና ካብ ስቓይ ከወፅእን ብልበ ሙሉእነት ክንምርሽ ይግባእ።
ብፍላይ ድማ ነቲ ብሰንኪ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ሓድነቱ ኣብ ዘስክፍ ኩነታት በፂሑ ዘሎ ህዝብና ሓድነቱ ኣጠናኺርና ብኢትዮጵያዊ መንፈስ ንኽቃለስን፣ ኣብ ሃገርና ናይ ምክብባርን ምትሕልላይን መድረኽ ክንፈጥርን ኣካል ናይቲ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ንምውዳቕ እንገብሮ ዘለና ቃልሲ ምዃኑ ኣሚንና ዘይተሓለለ ፃዕሪ ክንገብር ... ይፅውዕ።
ዝኸበርካ ጅግና ተጋዳላይ ዴምህት፦
ካብ ውልቃዊ ድሌታትካን ረብሓታትካን ርሒቕካ ምእንተ ህዝብን ሃገርን እትኸፍሎ ዘለኻ መዘና ዘይብሉ መስዋእቲ ኣዝዩ ክቡር እዩ።
ብዝሰራሕኻዮም ስራሕትን ብዘርኣኻዮ ህዝባውነትን ድማ ኣብ ልቢ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣቲኻ ቃልስና ተቐባልነት ረኺቡ ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ዜጋታት እናተፀምበሩዎ ፀኒሖምን ኣለዉን። መፅሄት ብስራት መበል 11 ዓመት ሕታም .27 ለካቲት 2010 /ም ስለዚ ሐዚውን ዝጀመርካዮን መስዋእቲ እናኸፈልካሉ ዝመፃእኻን ዕላማ ውድብካ ናብ ሙሉእ ዓወት ንምብፃሕ ኣብ ሓቀኛ ህዝባዊ መስመርካ ቀፅል።
እዚ መድረኽ እዚ ፀላእትና ናብ ውድቀት ዘምርሕሉ፣ ብኣንፃሩ ንሕና ድማ ናብቲ ዘይተርፍ ዓወት ዕጥቅና ሸጥ ኣቢልና፣ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሓድነትና ኣጣናኺርና፣ እንግስግሰሉን ንህብና ኣለናልካ እንብለሉን ኣገዳሲ መድረኽዩ።
ንምጥቕላል እቲ ኣቐዲምና ቅድሚ 17 ዓመታት ኣብ 19 ለካቲት 1993 / ዝጀመርናዮ ብረታዊ ቃልሲ እዋናውን ፍትሓውን ምንባሩ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ተራጋጊፁ ኣሎ።
ስለዚ ሐዚውን ነቲ ዘበገስናዮ ህዝባዊ ቃልሲ ኣብ ሸትኡ ንምብፃሕን ሕቶ መላእ ህዝብና ንምምላስን ህዝባዊ ቃልስና ኣሕይልና ክንቅፅለሉ ምዃና ነራጋግፅ።
ደጊምና እንኳዕ 19 ለካቲት መበል 17 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ውድብና ዴምህት ኣብፀሐና ኣብፀሐኩም።
ክብርን ሞጎስን ነቶም ኣብዚ ዘብፅሑና ጀጋኑ ሰማእታት!
ዓወት ንዉፁዓት!!

No comments:

Post a Comment