Friday, February 16, 2018

ሕጋዊ ፍቓድ ዘይብሎም ናብ ግዝኣተይ ኣትዮም ዝበሎም 50 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከም ዘውዓለ ናይ ማላዊ ናይ ስደተኛታት ጉዳይ ኣፍሊጡ።



 እቶም ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ሕጋዊ ናይ ጉዕዞ ሰነድ ከየማልኡ ብሰሜናዊ ናይ ማላዊ ግዝኣት እናኣተዉ ከም ዝተትሓዙ ናይ ስደተኛታት ጉዳይ ወሃቢ ቃል ዝኾኑ ፍራንሲስ ቺቲንቡሊ ገሊፆም።

  እቶም ስደተኛታት ዕድሚኦም ብማእኸላይ ካብ 15 ክሳብ 40 ዓመት ዝግመት እንትኸውን ሚቢያ ካብ ዝበሃል ናይ ታንዛንያ ግዝኣት ጀልባ ተኻርዮም ናብ ማላዊ ወረዳ ኒካታ ዝኾነ ወሰን ባሕሪ ይጎዓዙ ነይሮም።   

  ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ‘ውን ሞዛምቢክ 50 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ካብ ሃገራ ከም ዘባረረት ኣብ ናይ ዜና እወጃና ገሊፅና ምንባርና ዝዝከር እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ እናኸፍአ ብዝመፅእ ዘሎ ፖለቲካውን ኢኮኖሚያውን ዘይምርግጋእ ምኽንያት በቢመዓልቱ ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያን ሃገሮም ገዲፎም ከም ዝስደዱ ሓበሬታታት የመላኽቱ።  

No comments:

Post a Comment