Friday, February 16, 2018

ኣብ ክልል ደቡብ፤ ዞባ ከምባታ ሓያል ናይ ህዝቢ ተቓዉሞ ክካየድ ውዒሉ፣



ናይ ኦሮሞ መናእሰይ (ቄሮ) ንናይ ኣምሓራን ደቡብን ክልላት መናእሰይ ነቲ ንሰለስተ መዓልቲ ዝቐፀለ ተቓዉሞ ንክሕወሱዎ ኣብ ዝገበሩዎ ፃውዒት  መሰረት ኣብ ጎንደር ከተማታት ዳባትን ደባርቕን ከምኡ ውን ኢንተርኔትን ስልክን ብምቁራፁ ምኽንያት ዘይተፀብፀቡ ናይ ክልል ኣምሓራ ከተማታት ህዝባዊ ተቓዉሞ ከም ዝተኻየደ ኣብ ክልል ደቡብ ሰለስተ ከተማታት ውን ተቓዉሞ ከም ዝተኻየደ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ገሊፆም።  
  ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ከምባታ ኣብ ዱራሜ ሺናሾን ሀድሮ ከተማን ሓያል ህዝባዊ ተቓዉሞ ተላዒሉ ዝነበረ እንትኸውን ኣብዘን ከተማታት ናይ ንግዲ ኣገልግሎት ደው ኢሉ ከም ዝወዓለ ተገሊፁ። “ዳውን ዳውን ወያኔ”፤ “ኣብ ልዕሊ ወገናትና ዝግበር መቕተልቲ የብቅዕ”፤ “ከባቢና ብልምዓት ድሕሪት ተሪፉ እዩ፤ ዝተኣሰሩ ናይ ፖለቲካ እሱራት ይፈትሑ ዝብሉን ካልኦትን ጭርሖታት እናስምዑ ከም ዝወዓሉ ዝበፅሐና ሓበሬታ የመላኽት።  
  ብኻሊእ ወገን ድማ ኣብ ዞባ ጉራጌ ውጥረት ነጊሱ ከም ዘሎ ካብቲ ቦታ ዝበፅሐና ሓበሬታ የረድእ። እዚ ከምዚ ኮይኑ እናሃለወ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ብዘሎ ውጥረት ዝተልዓለ ዜጋታቱ ናብተን ክልላት ዝገብሩዎ ጉዕዞ ጥንቃቐ ንኽገብሩ ኣተሓሳሲቡ።  

No comments:

Post a Comment