Friday, February 16, 2018

ኣብ ዙርያ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘለዋ ከተማታት ተቓዉሞ ብምሕያሉ ምኽንያት፣ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ሰራሕተኛታትን ኣብ ዘለዉዎ ንክፀንሑ ትእዛዝ ተዋሂቡዎም።



  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ህዝባዊ ተቓዉሞታት እናተኻየ እንትኾን ሱሉልታ፣ ጣፎ፣ ቡልቡላ፣ ሃይሌ ጋርመንት ምስትያት ፋብሪካ፣ አየር ጤና፣ ቡራዬ ዙሪያ ናይ ህዝቢ ተቓዉሞ እናተኻየደ ይርከብ።
  ናይቲ ፌደራል መንግስቲ መቐመጢት ዝኾነት ኣዲስ አበባ፣ ኣብ ማእኸል ከተማ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ከም ዝተኻየደ ይግለፅ ኣሎ። ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብሰፊሑ ዝተተግበረ እቲ ኣድማ ኣብታ ዋና ከተማ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት እናተተግበረ ከም ዘሎ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊፆም።

  ከም ሓበሬታ ናይቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ዝዓበየ ናይ ዕዳጋ ቦታ ዝኾነ መርካቶ ውሽጢ፣ ናይ ንግዲ መደበራት ተዓፅዮም ዝወዓሉ እንትኾኑ ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ድማ ናይ ታክሲ ኣገልግሎት ተቛሪጹ ዉዒሉ። ኣብ ዓለም-ገና፣ ካራቆሬ፣ አየር ጤና፣ ጆሞ፣ ሰበታን ካልኦት ከባብታትን ውን ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ዝተገበረ እንትኸውን፤ ኣብተን ዝተጠቐሳ ቦታታት ናይ ንግድን ትራንስፖርትን ኣገልግሎት ተቛሪፁ ከም ዝወዓለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

  ኣብ ካራቆሬ ኬንቴሪ ዝተብሃለ ናይታ ከተማ ክፍሊ ድማ ናይ ኣደባባይ ተቓዉሞ ከም ዝተገበረ ዝተገለፀ እንትኾን፣ ኣብቲ ሰልፊ ‹‹ወያኔ ሌባ!›› ዝብል ጭርሖ ክስማዕ ከም ዝወዓለ ተሓቢሩ። እቶም ነበርቲ ሰለማዊ ሰልፊ ምውፃኦም ስዒቡ ናብቲ ቦታ ዝኸዱ ፌደራል ፖሊስ ነቲ ሰልፊ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ከም ዝተኮሱ እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊፆም።

 

 

No comments:

Post a Comment