Friday, February 16, 2018

ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዘሎ ድርቅን ጎንፅን ተኣሳሰሲሩ፡ ኣብዚ ዓመት ኣስታት 2 ሚልዮን ተምሃሮ፡ ትምህርቶም ከየቋርፁ ኣብ ስግኣት ከም ዝርከቡ ትካል ህፃናት ዓለም ኣፍሊጡ።



ዳይሬክተር ትካል ህፃናት ዓለም፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘሎ ኩነታትክሳብ ሐዚ ኣስታት 400 ሽሕ ተምሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቶም ከም ዝተመዛበሉ ንቢቢሲ ገሊፆም። ሓበሬታ ሚኒስትር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ብምፅራሕ ዝተዛረቡ እዞም ዳይሬክተር ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ለካቲት 2009 ዓ.ም ጀሚሩ 623 ኣብያተ ትምህርቲ ዝተዓፀዋ እንትኾና እዚ ቁፅሪ በብወርሑ ዝዕፀዋ ኣብያተ ትምህርቲ 51 ይበፅሓ።
  እዞም ህፃናት ካብ መኣዲ ትምህርቲ እንትርሕቑ ንትሕቲ ዕድመ መርዓ፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ህፃናትን ካልኦት ተዛመድቲ ፀገማትን ከም ዝሳጥሑ ዝገለፀ እዚ ፀብፃብ ብዘደንግፅ ኩነታት ክሳብ 8 ዓመት ዝዕድሚኦም ህፃናት ኣብቲ ከባቢ ብዘለዉ ወተሃደራት ይምልመሉ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።
  እዞም ህፃናት ብድርቅን ጥሜትን ዝያዳ ከም ዝተጎድኡ ዝዛረቡ ኤኪን "ዝኾነ እንተኾነ ኣብያተ ትምህርቲ ዘይዕፀዋሉ ኩነታት ክፍጠር ኣለዎ፤ እዚ ድማ እቶም ህፃናት ብሓደ ብምግባር ክሕግዙ ዝኽእሉ ትካላት ንክሕግዙ ካብ ምኽኣል ብተወሳኺ ዝበፅሖም ጥቕዓት ንምክልኻል ዘኽእል እዩ" ይብሉ።
   ተወካሊ ትካል ህፃናት ዓለም ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ዴቪድ ራይት ‘ውን እዚ ጉዳይ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ገሊፆም። "ኣብ ዓመት በብመዓልቱ 12 ሽሕ ተምሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቶም ዘይርከቡ እንተኾኖም፥ ናይቲ መፃኢ ወለዶ ዕጫ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ማለት'ዩ" ብምባል ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ቤት ትምህርታት ኣድላይ ዝበሃል ምግብን ማይን ከቕርባን ተምሃሮ ትምህርቶም ክከታተሉ ከም ዘለዎምን ይዛረቡ።


No comments:

Post a Comment