Wednesday, March 28, 2018

ደውታን ዕንክሊልን ኢህወዴግ ናበይ ገፁ?



ሃገርና ኣብ ምንጋጋ ሓራግፅ ኢህወደጋውያን ካብ ትወድቕ ናብዚ ኣብ ታሪኻ ሪኣቶ ዘይትፈልጥ ዕግርግርን ፖሎቲካዊ ነውፅታት ክተተኣናግድን ኑሱ ዘስዕቦ በሰላታት ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናነደሩ ብምምፅኦም ሎሚ ክሕከሙ ናብ ዘይኽእሉሉ ደረጃ በፂሖም ይርከቡ።ነዞም ተፈጢሮም ዘሎው ቅሉውላዋት ድማ እቲ ብኢህወዴግ ዝተጠፍጠፈ ገዛኢ ጉጅለን ናቱ መሓውራቱን ኢሉ 'ውን ኣጋር ውድባቱን ዝፈጠርዎ እዩ።እዚ ጉጅለ እዚ ቀይዲ በተኽ ምሕደራን ኣገዛዝኣን እናተኸተለ፤ልዕልነት ሕጊ እናተርበዐ፣ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን እናመሓወ ዝመፀን ዘሎን መላኺ ስርዓት ምዃኑ ንኹሉ ግልፂ ኮይኑ 'ሎ።
   እዚ ብምዃኑ ድማ ህዝብታት ሃገርና ኣንፃሩ ተላዒሎም ብዘርእዩዎ እምቢታን ቁጠዐን ብዝገደደ መልክዑ ኣብ ልዕሊኦም ብዕሱባት ሓይልታት ፀፅትኡ እናገበረ ግፍዓዊ ስጉምቲ ብምውራድ ዜጋታት ሂወቶም ክስእኑን ከቢድ መጉዳእቲ ክወርዶም፤ ጥሪትን ንብረትን ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ክዓኑን ፤ክበርስን  ከም ሰዓቤኑ 'ውን ካብ መረበቶም እናተመዛበሉ ንኣደዳ ጥምየት፤ፃምእን ዕርቃንን ክቃልዑ እናገበረ መፂኡን ኣሎን።
   እዚ ድማ ኣብ ሓደ ፀሓይ ተራእዩ ዝጠፍእ ክስተት ዘይኮነስ ዳርጋ በብዕለቱ  እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ መዕነዋይ ፍፃመ እዩ።ነዚ ብገንኡ ዝኹርኩም መንግስታዊ መሓውር ብዘይምህላውን ተሓታትነት መሊኡ ብምጥፍኡን ነቲ ፍፃመ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ መልክዑን ኣፈፃፅምኡን እናበኣሰ ክኸይድን ሂወት ዜጋታት ኣብ ፈቖዶ ቦታታት ወዲቑ ክተርፉ ይረአ 'ሎ።
   እቲ ገዛኢ ጉጅለ ድማ ባዕሉ ፍታሕ ከይሃበሎም ከጋድዶም ዝመፀን ዘሎውን ኩሎም ሽግራት ህዝብን ሃገርን፣ንባዕሉ ክውሕጥዎ ምስቦሉ ንቕድሚት ምስጓም ተሳኢኑዎ ኣብ ደውታን ዕንክሊልን ክሳጣሕ በቒዑ 'ሎ። እዚ ዝወሎዶ ድማ ማሕበራውን ኢኮኖምያውን ምንቅስቓሳት እታ ሃገር እውን ቡኡ ልክዕ እናተዛቡዑን እናነሃሩን ካብ ምንሃሮም ሓሊፉ ድማ ካብ ዝምረትሉ ፋብሪካታት ክደርቁን ደውታ ከጋጥሞምን ይረአዩ ኣሎው።
   እዚ ድማ እቲ ፖሎቲካዊ ዘይምርግጋዕን ብቐንዱ ድማ ነታ ሃገር ክሕምስ ዝፀንሐ ጉጅለ ኣብ ደውታን ዕንክሊልን ተሸሚሙ ነቲ ዝናወፅ ዘሎ ሽግር ፍታሕ ምምፃእ ኣቢዎ ዳግማይ ስዕረቱን ፍሽለቱን ዘረጋግፀሉ ህፁፅ ናይ ግዜ ኣዋጅ ከፅድቕ ተገዲዱ።እንተኾነ ግን ህዝብታት ሃገርና ንውሕስና መረሕቲ ኢህወዴግ ዝወፀ ኣዋጅ ብምዃኑ ንዑዑ ንምቁዋምን ከም ስርዓት ድማ ካብ ሱር መሰረቱ ንምምሓው ኣብ ኩሉ ዓይነት መሓውራቱን ቁጠባዊ ምንቅስቓሳቱን   ተፅዕኖታት ክበፅሖ ብምኽኣሉ፣ ኣብ ርእሲ ገጢሙዎ ዘሎ ፖሎቲካዊ ደውታ ኢኮኖምያውን ማሕበራን ምንቅስቓሳቱ ንድሕሪት ከንሸራትት ይረአ 'ሎ
   በዚ መሰረት ድማ ዳርጋ ኣብ ኩለን ከተማታት ሃገርና ካብ ናይ ዘይቲ ብልዕን ሽኮርን ምውሓድን ምውሳኽ ዋጋን ጀሚሩ ክሳብ ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ሸቐጣት፤ናይ ህንፃ ኣቑሑን ካልኦትን ክውስኹ ቀረብ ኣፋውስ ድማ ካብ ትካላት ጥዕና ክሰኣኑ ብምኽኣሎም ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ሃገርና ከቢድ ምንጋዕ ፈጢሩ ይርከብ።
  እዝን ካልኦት ሽግራትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተፅዓነ ብምምፅኡ ኣብ ትሕቲ ሑሱም ድኽነት ንዝነብሩ ወገናት ሓሳረ መከራ እናተባራረዮም ይርከቡ ኣሎው።ኢህወዴግ ድማ ነቲ ክፈጥሮ ዝፀንሐ ኣበሳታት ንባዕሉ ተሓሊኹ ሓንሳብ ይቅርታ ሓንሳብ ተሓዲስና፣ ፀሪና ፤ኡሱራት ፈቲሕና ወዘ...ዝብል መግለፅታት ክህብ ኣብ ዝረአየሉ ፣ብኣንፃሩ እቲ ዝተጉሃሃረ ቃልሲ መላእ ህዝብታት ድማ ኣይፋል ዝብል ግብረ መልሲ ክህብን ሉዑል ኣስታዋፅኦን መስዋእትነትን ኣብ ምኽፋል ይርከብ።
   ስለዚ ጉጅለ ኢህወዴግ ንቕድሚት ከይስጉም መሰጎሚ ባይታን ዝቕቦሎ ህዝብን ስኢኑ 'ሎ።ኮይኑ ግን ሕዚ 'ውን ብሹም ምቕያር ሽመት ጠቕላይ ሚኒስተር ዝብል መዘራረቢ ዛዕባ ከፊቱ ድሕሪ ምቕናይ ፈፃሚት ስራሕ እቲ ጉጅለ ንኣስታት 8 መዓልትታት ክቶኻቶኽ ፀኒሑ ናብቲ ቤት ምኽሪ ተሰጋጊሩ ፍረ ንዘይብሉ መድረኽ ከካይድ ተገዲዱ።
   ምኽንያቱ ቃልሲ መላእ ህዝብታት ሃገርና ብፍላይ ድማ መንእሰይ ዎሎዶ  ናይ ስርዓት ለውጢ 'በር ጉጅለ ኢህወዴግ ውልቀ ሰባት ብምቅይያር ዝመፅእ ፍታሕ ስለዘየለ።

No comments:

Post a Comment