Monday, March 19, 2018

ኣብዚ ቅንያት’ዚ ንግዕዙይ ምሕደራ ስርዓት ኢህወዴግ ብምቅዋም ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ናብ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ተፀምቢሮም።



እዞም ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ፀገምን እቲ ስርዓት ኣብልዕሊ ህዝቢ ዘብፀሖ ዘሎ ግፍዕታትን ብዕጥቃዊ ቃልሲ እዩ ዝፍታሕ ብምባል ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ዝተፀምበሩ መናእሰይ ኣስማቶም ንምቃስ ዝኣክል፦

-       ጥላሁን ጨቕሉ ተላ ካብ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ፀገዴ ጣብያ እንዳጥቤላ
 - ኣለም ንጉሰ ተኪኤ ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ጣብያ ማይ ስየ
-       ኣብረሃለይ ሓጎስ ገረዚሄር ካብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ሽረ ቀበሌ 01
-       መሓመድ ሳልሕ ሑሴን ካብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ወረዳ ሞኾኒ ጣብያ ካራ ዓዲ ሽዋ
-       ምኪኤለ ጋይም ደጀንን ሃይለ በርሀ ገብረኣምላኽን ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጉለምኻዳ ጣብያ ማርታ
-       ሓዱሽ ሓጎስ ብስራትን ሃፍቶም ዕቑባይ መዝገበን ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጉለምኻዳ ጣብያ ኣዲስ ተስፋ
-       ተስፋይ ኣረጋይ ተስፊት ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ኢሮብ ጣብያ ዳልጌዳ
-       ጌታቸው ገረዚሄር ሃይሉ ካብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ጣብያ ሓየሎም
-       ገብረህይወት ገብረወልዲ ደቦና ካብ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ቃፍታ ሑሞራ ጣብያ ኣደባይ
-       ኣቤል ገብረስላሴ ወልደማርያም ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ኣሕፎሮም ጣብያ ሴሮ
-       ሽሻይ ኣዘዞም ካሕሳይ ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ኢሮብ ጣብያ እንዳልጌዳ
-       ካሕሳይ ገብረህይወት ገዛሃይ ካብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ጣብያ ሻምበሊና
-       ነጋ ፋንታሁን ኣድነው ካብ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ወልቃይት ጣብያ ሩባ ለሚን
-       መዓዛ ካሕሳይ በራኺ ካብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ጣብያ ሕብረት
-       ርእሶም ሰመረኣብ ተላ ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ናዕደር ዓዴት ጣብያ ደብረ ገነት
-       መብራህቱ ሓዱሽ መብራህቱ ካብ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ጣብያ ዓዲ ጎሹ ዝርከቡዎም እንትኾኑ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ጥላሁን ጫቕሉ እንትገልፅ፣ ካብን ናብን ኢሎም መነባብሮኦም ንምምሕያሽ ከይሰርሑ ኣበይ ኔርኩም፤ ናበይ ትኸዱ ኣለኹም እናተብሃሉ ፍሕት መበሊ ከም ዝሰኣኑ ድሕሪ ምሕባር፣ እዚ ምስ ብሄራት ተኣሳሲሩ ዝለዓል ግጭት ፈጠርቱ ባዕሎም ወያነ ‘ምበር ህዝቢ ዝፈጠሮ ከም ዘይኮነ ኣስሚሩሉ።
   ስርዓት ኢህወዴግ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ብሄራት ባዕለን ንባዕለን ንኽጋጨዋ እናኣለሞ ዝመፀ ሽርሒ ሎሚ ኣብ ዝለዓለ ጫፉ በፂሑ ዜጋታት ኣብ ገዛእ ሃገሮም ዝተፈላለዩ ግፍዕታት ይበፅሖም ከም ዘሎ እቶም ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ዝተፀምበሩ መናእሰይ ሓቢሮም።

No comments:

Post a Comment