Tuesday, March 6, 2018

ደም ኑፁሃት ክዒኻ ምንባር ዘበት!!



     ብመርገፅትን ግዕዘይ ምሕደራን ጉጅለ ኢህወዴግ ሰንሰን ዝበለ ህዝቢ፣  ድሕሪ ቡዙሕ ዓቕልን ምፅማምን ዝጭበጥ ለውጢ ክረክብ ኣብ ዝገበሮ ምንቅስቓስ ግቡእ ምላሽ ስኢኑ ብዝበኣሰ መልክዑ ፍድኡ ይረክብ ኣሎ።
     ኣንፃር መለኺ ስርዓት ኢህወዴግ ዝተበገሰ እምቢታ ህዝቢ፣ብዘይ ዝኾነ ፍታሕ ኪድ እንትብሉዎ፣ካብዚ ሓሊፉ እውን ሕገ-መንግስታዊ መሰሉ ተጠቒሙ ቁጥዕዑ ክገልፅ ኣብ ዝፍትነሉ ሓይልታት ፀፅታ ተዋፊሮም ደሙ እንተፍስስዎን ሂወቱ እንተስእንዎን ኢሉ እውን ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ ክድርቢዎን ይረአዩ 'ሎው።
     ብምዃኑ ድማ ነዚ ደመኛ ህዝብታት ሃገርና ዝኾነ ስርዕት ብቕፅበት ተኣልዩ ካልእ ዝሕሸን ኩሎም ህዝብታት ኢትዮጵያ ዝኣመንሉ፣ብዘይ ዝኾነ ስርቅን ምንጭብራርን ድምፆም ብቅኑዕን ፍትሓውን መረፃ ተመስሪቱ ህዝብን ሃገርን ዝውክል ድልዱል ዴሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል ኣብ ምርብራብ ይርከቡ።
     ጉጅለ ኢህወዴግ ድማ በቲ ዝተልዓለ እምቢታ ህዝቢ ተናዊፁ ዝተፈላለዩ ውሳነታትን ፈጠራን ክኣልም ተገዲዱ እዩ።ናይዚ ከም ኣብነት ንምልዓል ዝኣክል፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ወርሒ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ን17 መዓልትታት ዘካየዶ ገምጋም መሰረት ገይሩ ፣ነቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ሓደጋ ይቅርታ ክሓተሉን፣ እቲ መድረኽ ድማ ከም ናይ ሞዎዳእታ ዕድል ረኺቡ ዘላቒ ፍታሕ ከምፅእ እየ ኢሉ ቃል ኣብ ዝህበሉ እዋን ፣ ካብ ኢህወዴግ ፍታሕ ኣይንፅበን ዝብል ቁጠዐ ህዝብታት ክርኢ በቒዑ።
     በዚ ድማ ኣብ ከቢድ ራዕድን ጭንቀትን ክኣቱ ብምኽኣሉ ከይፈተወ እሱራት ብበዝሒ ክፈትሕን ብምሕረት ክለቅቕን ተራእዩ።ነዚ ድማ ብቐደሙ እውን ኢትዮጵያውያን፣ ነቲ መዕነዋይ ኣካይዳ ስርዓት ኢህወዴግ ብዝተፈላለየ መንግዲ ብምቅዋሞም እዩ ዝተፈላለየ ናይ ፀለመ ክስታት ተወንጂሎም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣቱ ዝተገበረ 'በር መዓስ ገበን ፈፂሞም ዝብል ግብረ መልሲ ረኺብሉ።
     ብዛዕባ'ዚ ንሰሙናት ኣጀንዳ ኮይኑ ድሕሪ ምፅንሑ ካልእ ፈጠራ ተሃንዲሱ ናይ ጠቕላይ ሚኒስተርነት ሽመት ምውራድን ብኻልእ ምቕያርን ዝብል ድማ መዘራረቢ ዛዕባ ተኸፊቱ ቡዙሕ ሰብ ነናቱ ርኢቶን ሓሳብን ክህበሉ ቀኒዩ እዩ።እንተኾነ ግን ሽርሕን ጉርሕን ኢህወዴግ ናይ ኣደባባይ ምሽጥር ስለ ዝኾነ፣በቲ ዝሃንደሶ ሓደሽቲ ዝመስሉ ተርእዮታት ነቲ ህዝቢ ከረጋግዖን ከም ቀደሙ ኣታሊሉ ክሓልፍ ባይታ ኣይረኸበን።ነዚ ድማ እታ ዝተረፈቶ ናይ ሽንፈት እንኮ መማረፂት ግድን ብሓይሊ ክጭፍሉቖ ስለ ዘሎዎ ዳግም ህፁፅ ናይ ግዜ ኣዋጅ ክእውጅ ተገዲዱ።
     እቲ ዝተልዓለ ሕቶ ህዝቢ ግን በቲ ዝተደንገገ ህፁፅ ናይ ስዓት እቶ እቶ ከይተገደበ ንመዓልትታት ኣብ ደቡብ ህዝብታት ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ኦሮምያ ብኸፊል ኣድማ ክገብር ተራእዩ።እዚ ድማ ኢህወዴግ ዘምፅኦ ለውጢ የለን ሕቶና ናይ ስርዓት ለውጢ እዩ ካብ ዝብል መሰረት እዩ።
     ከምቲ ድምፃዊ "ሓጎስ ገብሪሂወት"ዝበሎ መን ክነብር ምስ ደመኛታቱ ኣፍ ደገና ንዕፆ ክሳብ ዝሕተቱ እዩ 'ሞ ፣እዞም ደም ኑፁህ ኢትዮጵያዊ ዜጋ ኣብ ማእከል ጎደናታት ብስዉርን ብቕሉዑን ከፍስሱን ሂወት ከሕልፉን ዝመፁ ግብረ እከይ መራሕቲ ብዘበገስናዮ ቃልን ብዝኸፈልናዮ መስዋእትን ኩሉ ዓይነት ተፃብኦታትን ላግፆም ብውልቀ መራሕቲ ምቅይያር ቀፂሎሞ ኣሎው።
     ህዝብታት ሃገርና ግን ናይ ስልጣን ፃምእን ንሕንሕን ኣይኮነን እዚ ኩሉ ስቓይ፤ምንግልታዕ፤ማእሰርቲ፤መጉዳእቲ፤መስዋእትን ዕንወትን በቲ ስርዓት ክወርዶም ዝግደዱ ዘሎው።
     እንታይ ድኣ እንተተባሂሉ ነዚ ኩሉ ስግኣትን ዕንወትን ዝፈጠረ ውልቀ መራሒ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ገዛኢ ፓርትን ኑሱ ዝመርሖ መንግስትን ዝኽተሎ ናይ ዕንወት ፖሊስን ተግባራትን ስለዝኾነ ኢህወዴግ ስልጣኑ ንህዝቢ ከረክብን ናብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቡ ድማ ክሕተትን ዝብል እዩ።
    ስለዚ ኣንፃር መላኺ ስርዓት ወያነ ኢህወኤግ ዘበገስናዮ ኩሉ ዓይነት መማረፅታት ቃልሲ ብምብራኽ ዝድለ ናይ ስርዓት ለውጢ ክሳብ ነምፅእ ቃልስና ቀፃሊ እዩ።ደም ኑፁሃት ወገናት ዝኽዓወን ሂወት ደቅና ዘሕለፈን መላኺ ስርዓት ፍታሕ ከምፅእ 'ዩ ኢልና ዘበት ክበሃል ይግባእ።

No comments:

Post a Comment