Wednesday, May 2, 2018

ቅድሚ ሰሙናት ኣቢሉ ብመሰረት ዝተሰራጨወ ሰርኩላር ፣ባጀት ዘለዎን ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ዩኒቨርስትታትን ሓለፍቲ ትካላት ልምዓት መንግስቲ፤ሓለፍቲ ስራሕን ሰብ ሞያን ንወፃኢ ዝግበር ጉዕዞ ዝግድብ ተወሳኺ መቆፃፀሪ ወፂኡ።



ጉዑዞ ናብ ሃገራት ወፃኢ እንተድሊ፣ናይቲ መደብ ዕላማ፤ብዝሒ ተሳተፍቲ፤ዝጸንሕሉ እዋን፤ነቲ ጉዕዞ ዘድሊ ናይ ወፃኢ መጠንን ፍልፍል ገንዘብን፤ካብቲ ጉዑዞ ዝርከብ ረብሓ ከይተረፈ ብዝርዝር ተገሊፁ ናብ ቤት ፅሕፈት ጠቕላይ ሚኒስተር ቀሪቡ ኣብ ዝተፈቐደሉ ጥራሕ እቲ ጉዑዞ ተግባራዊ ከም ዝኸውን ተገሊፁ።
ምስ ናይ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ብዝተተሓሓዘ፣ ሕቶ ናይቲ ጉዑዞ፣ መጀመርታ ብተቖፃፀርቲ ኣብያተ ፅሕፈቶም፣ቀፂሉ ድማ ብመንገዲ ቤት ፅሕፈት ጠቕላይ ሚኒስተር ኣቢሉ ክፀድቕ ኣሎዎ።ቅድሚ ሕዚ ምስ ናይ ወፃኢ ምቕናስ ተተሓሒዙ ብቤት ፅሕፈት ሚኒስተር ምትሕብባር ገንዘብን ኢኮኖምን መምርሒ ወፂኡ ምንባሩ ይዝከር።እቲ መምርሒ ናይ ወፃኢ ጉዕዞ ወፃኢታት ዝምልከት ቁፅፅር ኣካቲቱ ነይሩ።
ኮይኑ ግን እዚ መምርሒ ዋላ ይውፃእ 'በር ብኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ብኣግባብ ተግባራዊ ከምዘይኮነ ሓደ በዓል ስልጣን መንግስቲ ኣረዲኦም።እዚ ክፍተት ነቲ ናይ ሕዚ ሰርኩላር ክወፅእ ምኽንያት ክኾን ከም ዝኽእል ወሲኾም ኣፍሊጦም።
ናይ ወፅኢ ጉዑዞ ምውፅኡ ብዝምልከት እቲ ሓዱሽ ሰርኩላር ብተወሳኺ ባዕሉ ክኢሉ መምርሒ ክወፅአሉ ከም ዝኽእል ትፅቢት ይግበረሉ። 



No comments:

Post a Comment