Wednesday, May 2, 2018

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ጉጂ ዝተጀመረ ተቓውሞ ህዝቢ ተጠናኺሩ ይቕፅል ከም ዘሎ ተፈሊጡ።



ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ጉጂ ከተማ ፊንጪ ሜድሩክ ኢትዮጵያ ወርቂ ንውምፃእ ዝጥቀመሉ ናይ ስራሕ ፍቓድ ብምሕዳሱ ዘቖጦዖም ናይቲ ከባቢ ነበርቲ፣ቁጡዖም ሚያዝያ ዕለት 23 2010ዓ/ም ናብ ጎደናታት ወፂኦም ምግላፆም ይዝከር።እዚ ተቓውሞ ንፅባሒቱ 'ውን ቀፂሉ እዩ።ኣብ ውሽጢ ዞባታት ምብራቕን ምዕራብን ጉጂ 'ውን ሉዑል ዝኾነ ህዝባዊ ተቓውሞ ምክያዱ እቲ ሓበሬታ ገሊፁ።
ሜድሩክ ኢትዮጵያ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ናይ ወርቂ መዓድን ንምውፃእ ዝጥቀመሎም ኬሚካላት፣ኣብ ልዕሊ ነብርቲ እቲ ከባቢ ናይ ጥዕናፀገም   እናስዓበ ይርከብ።ቀንዲ መበገሲ ኣብታ ከተማ ዝተልዓለ ህዝባዊ ተቓውሞ ፣ብመንገዲ እቲ ኩባንያ ዝበፅሕ ሽግር ጥዕና እዩ።ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ጉጂ ዝተልዓለ ቁጠዐ ህዝብታት ብሶኒ ጀሚሩ ብዝተጠናኸረ መንገዲ ኣብ ናይ ሐደ መዓልቲ ኣፈላላይ ኣድማሱ ብምስፋሕ ሶሉስ ኣብ ዞባታት ምብራቕን ምዕራብን ጉጂ  ኣብ ውሽጢ ከተማታት ሻኪሾን ፍንጫን ተቓውሞ ብምክያዱ ስዒቡ ተሽከርከርቲ ዝጎዓዛሉ ፅርግያ ብዕንፀይትን ኣእማንን ተዓፅዩ ምውዓሉን ከምኡ 'ውን ናይ ንግዲ መደበራትን ኣገልግሎት ትራንስፖርትን ተቛሪፁ ምውዓሉ  ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ዋንነቱ ናይ ሼኽ ሁሴን ኣሊ ኣላሙዲን ዝኾነ ሜድሩክ ኢትዮጵያ ፣ኣብ ክልል ኦሮምያ ካብ ሞንጎ ዘካይዶም ናይ ካዕቲ መዓድናትውሽጢ ኣብ ዞባ ጉጂ  ኣብ ጥቓ  ሻኪሾ ዝርከብ ናይ ለገደንቢ ናይ ወርቂኳዕቲ ሓደ እንትኸውን፣ካብዚ ምህርቲ ወርቂ እቲ ኩባንያ ሉዑል ዓመታዊ ኣታዊ ይእክብ።ሜድሩክ ኢትዮጵያ ነዚ ስራሕ ንምስላጥ ዝጥቀመሉ ኬሚካልን  እቲ  ወርቂ ተፃርዩ ድሕሪ ምውፅኡ ብመልክዕ ጎሓፍ ዝድፋእ ተርፍ ምህርቲ ፣ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝለዓለ ጉድኣት ናይ ጥዕና ምብፃሕ ካብ ዝጅምር ግዘታት ኣቑፂሩ ይርከብ።

No comments:

Post a Comment