Friday, November 14, 2014

ኣብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ኢሮብ ዝነበሩ ወገናት ሓላፍነት ንዝጎደሎ ኣሰራርሓ ሰበ ስልጣን ገዛኢ ጉጅለ ብምቅዋሞም ጥራሕ ይእሰሩ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣


ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ሙስሊም ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብዘይ ሃይማኖት ኣፈላላይ ንፀረ ህዝቢ ጉጅለ ኢህወዴግ ክቃዎም ከም ዘለዎ ፀዊዖም፣


ኣብ ክልል ዓፋር ዝርከብ ሰራዊት ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እቲ ከባቢ ናይ ምፍርራሕን ምንእኣስን ተግባር ይፍፅም ምህላዉ ካብ’ቲ ከባቢ ምንጭታትና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣


ህዝቢ ወረዳ ናዕዴር ዓዴት ብሕፅረት ሓይሊ መብራህቲ ዕለታዊ መነባብርኡ ንምምራሕ ተፀጊሙ ምህላዉ ይግለፅ ኣሎ፣


ኣብ ስልጣን ዝርከብ ጉጅለ ህወሓት-ኢህወዴግ ተወለድቲ ብሄረሰብ ኢሮብ ዝኾኑ መናእሰይ ካብን ናብን ተቀሳቕሶም መነባብርኦም ከይመርሑ ከቢድ ሓለዋን ክትትልን የካይደሎም ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣